Saturday , April 20 2024
Aftonbladet

ሽወደናዊት ኣባል ዳዕሽ ናብ ስዊድን ክትምለስ ትደሊ።

29 ዝዕድሚኣ ሊሳ ኣንደርሰን ወዳ ኣብ ጉተንበርግ ገዲፋ ግብረሽበራዊ ጒጅለ ዳዕሽ ተጸንቢራ።

ሕጂ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ሶርያ መዓስከር ስደተኛታት ትቕመጥ ኣላ። ሽወደን ናብ ቦታይ ክትመልሰኒ እየ ዝደሊ።

ደቀይ ክጻወቱ፡ ዕዳጋን ቤት ትምህርቲን ክኸዱን ብንቡር ኣገባብ ክዓብዩን ክርኢ ድሌት ኣሎኒ። ሕጂ ግና ብኹሉ ጽሉኣትን ኲኑናትን እዮም ብምባል ን NRK ሃረርታኣ ገሊጻ’ላ።

ኣብ ወረዳ ኣል ሃሳካ ሰሜን ሶርያ 450 ኣንስትን ቆልዑን ኣብ ሓውል ዝበሃል መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ኩርዲ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኲነታት ይነብሩ ኣለዉ።

እተን ደቀንስትዮ ኣብ ምምስራት መንግስቲ ከሊፋ ክዋስኣ እየን እዩ ተባሂሉ ተወጢኑ ኔሩ፥ ድሕሪ ስዕረት ዳዕሽ ግና ኣብ መንቀራቕሮ ኣትየን ይርከባ። ኖርዌጃዊ NRK ናብቲ መዓስከር ስደተኛታት ብምኻድ ምስ ክልተ ካብዘን ሽወደናውያን ደቀንስትዮ ተራኺቡ ኔሩ።

እዘን ሽወደናውያን ንኖርዌጃውያን ጋዜጠኛታት ኤሪክ ቬዩምን መሓመድ ኣልኣዩቢን “ህይወትና ኣዝዩ ሕሱም እዩ ዘሎ” ብምባል ቃለ-መጠይቕ ክገብረለን ሓቲተናኦ።

ሓንቲ ካብዚኣተን 29 ዓመት ዝዕድሜኣ ሊሳ ኣንደርሰን ኮይና ኤክስፕረሰን ብዛዕባኣ ኣቐዲሙ ጽሒፉ ምንባሩ ይዝከር።

ንሳ ብ 2013 እያ ወዳ ገዲፋ ኣብ ሶርያ ናብ ዝርከብ ዳዕሽ ተጸንቢራ። ክሳብ ሕጂ ድማ ምስ ወዳ ኣይተራኸበትን። ሕጂ ሊሳ ናብ ሽወደን ክትምለስ ባህጊ ኣለዋ። ዝኾነ ናይ ጸጥታ ስግኣት ክትከውን ከም ዘይትኽእል ድማ ደጋጊማ ተገልጽ።

ቅድሚ ዳዕሽ ነዚ ቦታ ምቊጽጻሮም እየ ናብዚ ቦታ መጺአ። ናብ ሶርያ ዝኣተወ ዘበለ ኲሉ ኣብ ራቓ ኣኪቦሞ። ኲልና ደቀንስትዮ ድማ ኣብ ሓደ ኣኪቦምና።

ኣብ ሽወደን ናብራ ስለዝሓሰመኒ እየ ኲሉ ገዲፈ ከም ኣስላማይቲ ክነብር ናብ ሶርያ ከይደ። ህይወት ምስ ዳዕሽ ዳርጋ ገነት ምዃኑን ተመርዕያ ሰለስተ ቆልዑ ምውላዳን ድማ ገሊጻ’ላ።

ሕጂ ግና ኣብ ዓብዪ ስግኣት ኣትዩና’ሎ። እዚ ቦታ ብርስሓትን ጎሓፍን መርኣዪ የብሉን። ኣብዚ ቦታ ዓይኒምድሪ ብሩስያውያንን ቱኒዛውያንን እዮም ዝውነኑ።

ኣብ መሬት ኢና መግብና ነብስል ዘሎና። ሓንቲ ጓል ቴንዳኣ ተቓጺሉ ሞይታትና’ላ። ኣብዚ ቦታ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ኢኻ ትሪኢ ክትብል ሊሳ ኣንደርሰን ምስ NRK ኣብ ዝገበረቶ ጻንሖት ኣማሪራ። እናበኸየት ድማ “ጓለይ ኣብ ሕቚፎይ መይታትኒ” ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com