Friday , April 19 2024

ሽወደናዊት ግሬታ ሶንበሪ፡ ጒባኤ ግላስጎው፡ ክውንዘፍ ይግባእ ትብል

ግሬታ ሶንበሪ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ግላስጎው ዝካየድ ጒባኤ ክሊማ ዓለምና COP26 ከም ዘይትሳተፍ ገሊጻ’ላ።

ጓል 18 ዓመት ሽወደናዊት ተጣባቒት ክሊማ፡ ኣብዚ ጒባኤ ዘይትሳተፈሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ከበዳ ኮሮና ምዃኑ ገሊጻ’ላ። ሓደጋ ለበዳ ኮሮና እናሃለወ ጒባኤ ምክያድ ኣይግድን፡ እዚ ጒባኤ ክውንዘፍ እዩ ዘለዎ ድማ ኢላ። ንሳ ብውሕዱ ዝበዝሐ ህዝቢ ክሳብ ዝኽተብ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ጉባኤ ከጽንሖ ተላብያ’ላ።

ኣብዚ ጒባኤ ሕቶ ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት፡ መራሕቲ ዓለም፡ ክተኣኻኸቡ ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውሳነ ሶንበሪ፡ ነዚ ጒባኤ ብኣሉታ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com