Thursday , April 25 2024

ሽወደናዊ ቀዪሕ መስቀል

 ሽወደናዊ ቀዪሕ መስቀል ብ 24 ግንቦት 1865 እዩ ተመስሪቱ፡፡ ናይ ሽወደን ኣዚዩ ዝዓበየ ወለንታዊ ውድብ ድማ እዩ። ከምኡውን ናይቲ ኣህጉራዊ ናይ ቀዪሕ መስቀል ንጥፈታት ሓደ ክፋል እዩ። ኣብ ሽወደን ኣስታት 900 ዞባውያን ማሕበራት ቀዪሕ መስቀል ኣለዋ፡ ልዕሊ 30 000 ውፉያት ወለንታውያን ከኣ ኣለዉ። ነቶም ካብ ሃገሮም ዚስደዱ ሰባት፡ ኣዝማዶም ንኪረኽቡ፡ ንሕጋዊ ምኽርታት ዝዓለመ ቋንቋ ሽወደን ንኺላመዱ ንሕግዞም። ነቶም ብሰንኪ ኵናትን ግፍዕን ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ዚወርዶም ሰባት፡ ኣብቲ መእለዪ ክፍልታትና ንኣልዮም። ከምኡውን ናይ ህጹጽ ረድኤት ኮርሳት፡ ናይ ቀውሲ ደገፍ ንህብ፡ ማለት ኩሉ ነቲ ናይቶም ግዳያት ኩነታት ህይወት ዘመሓይሽ ዘበለ ንገብር። ኣብቶም ኣብ ሽወደን ኣብ 300 ቦታታት ዚርከቡ ናይ ሓራጅ ድንኳናትና ወይ ሰከንድ ሃንድ ድንኳን፡ ክዳውንትን ናይ ገዛ ኣቝሑትን መሳርሒታትን ንሸይጥ።

ኣብቲ ናይ ሓራጅ ድንኳናትና ወይ ሰከንድ ሃንድ ድንኳን፡ ንወለንታውያን፡ ማሕበራዊ ንጥፈታት ማለት ከም ምልምማድ ቋንቋ ሽወደን፡ ማሕበረሰብኣዊ ሓበሬታ ወይ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ዚወሃበሉ ክፍልታት ኣሎ። ናይ ምእካብ ስራሕ እውን ነካይድ ኢና፡ ብኡ ድማ ኢና ነቲ ዞባውን ኣህጉራውን ስራሕና ነካይዶ። ሽወደናዊ ቀዪሕ መስቀል ምስ ካልኦት ሃገራውያን ማሕበራት ቀዪሕ መስቀልን ኣህጉራውያን ቀዪሕ መስቀል ወይ ቀዪሕ ሰርቂ-ወርሒ ፈደረሽንንን ምስ ኣህጉራውያን ኮሚቴ ቀዪሕ መስቀልን ይሰርሕ። ሽወደናዊ ቀዪሕ መስቀል ኣብ ምሕጋዝ ህጹጽ ሓደጋታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ጥሜትን ብረታዊ ግርጭታትን ሓገዙ ይህብ፡ ከምኡውን ሓደጋ ንምዕጋት ኣብ ናይ ኣቐዲምካ ምክልኻል ጻዕርታት ይሳተፍ።

 ናይ ቀዪሕ መስቀል ወለንታዊ ስራሕ

ቀዪሕ መስቀል ኣብ ንጥፈታት ወለንታውያን እተመስረተ ኮይኑ፡ እቲ ወለንታዊ ስራሕ ድማ ናይቲ ውድብ ዓንዲ እዩ፡ ነቲ ንደቂሰብ ኣብ ጸገም ንኸይኣትዉን ከይሳቐዪን እንገብሮ ጻዕሪ ድማ ዓቢ ረቛሒ እዩ። ወለንታውያን ንሽወደናዊ ቀዪሕ መስቀል ኣበርክቶ ይገብሩ፡ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታትን ንደለይቲ ዕቝባን ድማ ቋንቋ ሽወደን ብምምሃርን ንተመሃሮ ህጻናትን መንእሰያትን ብምምሃርን ይሕግዙ፡ ከምኡውን ቀዪሕ መስቀል ብዙሕ ካልእ ማሕበራዊ ንጥፈታት የካይድ እዩ።

ናይ ቀዪሕ መስቀል ወለንታውያን ንርድኢቶምን ፍልጠቶምን ንምዕባይ ብማለት ይስልጥኑ እዮም፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ነቲ ወለንታዊ ስራሖም ብዝበለጸ መገዲ የካይዱዎ።

ኣብ ሃገርካ ኣብ ዝኾነ ሰብኣዊ ውድብ ከም ወለንታዊ ተመዝጊብካ ትፈልጥዶ? ከምዚ ብምግባርካ ደስታ ተሰሚዑካዶ ወይ ድማ ንኻልኦት ብምሕጋዝካ ንህይወትካ ትርጉም ኪህቦ ክኢሉዶ?

እምበኣር ኣብዚ ዚስዕብ ገለ ካብቶም ናይ ቀዪሕ መስቀል ወለንታውያን ዚሃቡዎ ርእይቶ ንርአ፥

መሓመድ ሓዮ ካብቶም ናብ ሃገር ሽወደን ዝኣተዉ ሓደስቲ መጻእቲ እዩ፡ ከምዚ ዚስዕብ ድማ ይብል፥

– ክሳዕቲ ካብ ሚግረሽን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዚውሃበኒ ዕለት፡ ዓቕለይ ይጸበንን ዝገብሮ እስእንን ነይረ። ስለዚ ካብ ስቕ ኢለ ግዜይ ንኸንቱ ዘጥፍእ፡ ስለምንታይ ገለ ጠቓሚ ነገር ዘይገብር ብማለት ምስ ሓተትቲ ዕቝባ ብጾተይ ኮይነ ናብቲ ኣነ ዝቕመጦ ከተማ ኣልቭስቢን ዘሎ ቀዪሕ መስቀል ኬድና። ሽሕኳ ቋንቋ ሽወደን ዘይንመልኮ እንተ ነበርና፡ ብቋንቋ እንግሊዝ ክንዘራረብን ክንረዳዳእን ጀሚርና። እቲ ኣብ ኣልቭስቢን ዝነበረ ቀዪሕ መስቀል ማዕጾታቱ ክፉታት እዮም። ንሕና ኣብቲ ክተማ እንቕመጥ ድማ ከም ሓደስቲ መጻእቲ ንኻልኦት ጽጉማት ሓደስቲ መጻእቲ ክንሕግዝ ክኢልና።

መሓመድ ብምቕጻል ከምዚ ይብል፥ ብዙሓት ካብቶም ዝረኸብኩዎም ሓደስቲ መጻእቲ፡ ብውግእ ዝሓለፉ እዮም ነይሮም፡ ብናይተይ ርእይቶ ድማ ብዙሕ ደገፍን ሓገዝን የድልዮም ነይሩ። ኣነ ኣብ ብዙሕ ንጥፈታት ንኽሳተፍ ተደሪኸ፡ ንኣብነት ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ከሙቖም ዚኽእል ክዳውንቲ ብምዕዳግ ወይ ድማ ንኣረጋውያን ኣብ ሆስፒታል ምብጻሕ፡ ከምኡውን ግሩም ማሕበራዊ ንጥፈታት ብምክያድ።

መሓመድ ዛንታኡ ይቕጽል፥ ኣብ ቀዪሕ መስቀል ብምስራሐይ ንህይወተይ ትርጉም ሂቡዎ። ኣብ ሃገር ሽወደን ህይወተይ ከም ብሓድሽ ንኽጅምር ዕድል ረኺበ፡ ብኸምዚ መገዲ ድማ ርእሰተኣማንነት ኣጥሪየ፡ ነቲ ዓቕምታተይ ብምዝውታር ድማ ንኻልኦት ንህይወቶም ትርጉም ኪረኽቡሉ ኣኽኢለዮም። በቲ ዝተዋህበኒ ስልጠና ሓድሽ ተመክሮ ረኺበ፡ ንኣብነት፡ ስነልቦናዊ ህጹጽ ረድኤት። ሽሕኳ ኣብዚ እዋንዚ ስራሕ እንተ ኣሎኒ፡ ኣብቲ ናይ ቀዪሕ መስቀል ንጥፈታት ግን ከም ወለንታዊ ኮይነ ምስራሕ እቕጽሎ ኣሎኹ።

ኢማን ኣልበሽ፡ ናይ ከተማ ፉሽሃጋ  ናይ ቀዪሕ መስቀል ወለንተኛ ከምዚ ይብል፥ መጀመርያ ወለንተኛ ክኸውን ኣይመደብኩን፡ ደሓር ግን ቋንቋ ሽወደን ንኽምሃር ናብቲ ቀዪሕ መስቀል ከይደ፡ እቲ ኣገባብ ድማ språkstöd ይብሃል። ኣብ ብዙሕ ንጥፈታት ተሳቲፈ፡ ብድሕርዚ ነቲ ናይ ቀዪሕ መስቀል ተግባራት ምስ ረኣኹዎ ወለንታዊ ክኸውን መዲበ፡ ማለት ኣባል ናይቲ ሰብኣዊ ውድብ ንምዃን።

ኢማን ይቕጽል፥ እቲ ናይ ወለንታዊ ስርሐይ ይለዋወጥ እዩ። ኣብቲ ናይ ደቀንስትዮ መደብ እየ ዝሳተፍ፡ ዓረብ ብምኻኣለይ ድማ ምስተን ሓደስቲ መጻእቲ ኣዕራብ እረዳዳእ እየ። ነዘን ዝሳቐያ ሓደስቲ መጻእቲ ኣንስቲ ነቲ ስቓየን ክትርጉመለን ከለኹ ንህይወተይ ትርጉም ይህቦ። ኣብ ውሽጠን ተኣማንነት ንኽፈጥር ነቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዘለወን ስምዒት ውሕስነት ድማ ንኸደልድል ተኽእሎ ብምርካበይ ደስ ይብለኒ።

እቲ ጉጅለና ነቶም ህጻናት ብናይ ህጻናት ፕሮግራም ኪስልጥኑ ጻዕርታት የካይድ። ንሕና ኣብቲ ፕሮግራም ብምስታፍ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ውሕስነት ንኺስምዖም ብዙሕ ጻዕርታት ነካይድ።

ኢማን ይብል፥ ቀዪሕ መስቀል ከም ገዛይ ኮይኑ ይስመዓኒ፡ ካብቲ ዝሃብኩዎ ዝያዳ ንሱ ዝሃበኒ ይበዝሕ። ቀዪሕ መስቀል ማዕጾታቱ ብምኽፋት ብዙሕ ከም ዝፈልጥን ምስ ብዙሓት ከም ዝፋለጥን ገይሩኒ። ንሽወደንኛይ ከም ዘመሓይሾ ገይሩኒ፡ ርእሰ ተኣማንነተይ ከም ዚጥንክር ገይሩዎ። ሽሕኳ ኣብ ሃገር ሽወደን ሓድሽ እንተ ኾንኩ ድማ፡ ብዙሕ ከበርክት ከም ዝኽእል ገይሩኒ።

ወለንታዊ ብምዃን ዚርከብ ተመክሮ ከከም ቦታኡን ኩነታቱን ይለዋወጥ እዩ። ይኹንምበር፡ እዚ ኮይኑ እቲ፡ ምስ  ቀዪሕ መስቀል ብምትሕብባር ኣብቲ ከባቢኻ ብዙሕ ለውጢ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ወለንታዊ ንምዃን እንተ ደለኻ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ጠውቕ፥

https://www.redcross.se/vart-arbete/v/volontar

ምእንቲ ኣብቲ ናይ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ምንቅስቓስ ኣባል ክትከውን፡ ነቲ ናትካ ግላዊ ሓበሬታ ኣብቲ (Bli volontär)  ዚብል ሳጹን ምልኣዮ፡ ብድሕርዚ ድማ ኣብቲ ዞባኻ ዘሎ ቀዪሕ መስቀል በጺሕካ ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com