Saturday , April 20 2024
ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን

ሽወደናዊ ነጋዳይ ብክሲ ብልሽውናን ምጥፍፋእ ገንዘብን ኣብ ሃንጋሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣቱ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እቲ ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጽዎ’ሎ።

“ሓደ ኣርብዓ ዓመት ዝዕድሚኡ ሽወደናዊ ኣብ ሃንጋሪ ከም እተቐየደ ፈሊጥና ኣለና” ክብል ኣፈኛ ፕረሰ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

እቲ ነጋዳይ ኣብ ኩባንያ ፋልኮን ሄሪንግ ፋይናንስ ኣዝዩ ምሩኡይ ምዃኑ ሰብመዚ ሽወደን ክኣ ብገበን ምትላል ክደልይዎ ምጽንሖም ተገሉጹሎ።

እዚ ሰብ ን 22 ሽሕ ዝኾኑ ጡረተኛታት ብምትላል 2 ቢልዮን ክሮነር ሽወደን ኣጠፋፊእካ ብዝብል እዩ ክድለ ጸኒሑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com