Thursday , April 25 2024

ሽወደናዊ ኩባንያ ስፖቲፋይ (spotify) ምስ ባራክ ኦባማን በዓልቲ ቤቱን ናይ ድምጺ ሓበሬታ ከጋውሕ ስምምዕ ይኽትም!!

 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ብሓሙስ ምስ ኩባንያ ስፖቲፋይ ተኸታታሊ ናይ ድምጺ ሓበሬታ ከጋውሕ ናይ ሽርክነት ስምምዕ ምኽታሙ ተገሊጹ። በዚ ዋንነቱ ናይ ኦባማን በዓልቲቤቱን ዝኾነ ትካል ዝተመርጹ ናይ ድምጺ ሓበሬታታት ከዳልዉን ብድምጺ ከመሓላልፉን ናብ መላእ ዓለም ከባጽሑን ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

እዚ መግለጺ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ መንጐ ሃየር ግሩንድ  (Hyer Ground) ከምኡ’ውን ኔት ፍለክስ (Netflix) ኣብ 2018 ድሕሪ ዝተገብረ ስምምዕ እዩ። ኦባማን በዓልቲቤቱን ፊልምታት ሰነዳዊ ፊልምታትን ካልእ ተኸታታሊ ሓበሬታን ክፍንዉ እዮም።

ስፖቲፋይ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናግ ሙዚቃ መፈነዊ መድበር ኮይኑ ወርሓዊ ክሳብ 217 ሚልዮን ዝበጽሑ ሳብስክራይበራት ኣለዉዎ። ኦባማ “እዚ መደበር ሓበሬታ ሰባት እናተዛነዩ ቊምነገር ዝሰንቅሉን ዝቀረረብሉን ባይታ ክፈጥር” ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com