Tuesday , April 16 2024

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ካልኣይ ክፋል

ታሪኽ ሽወደን

እዚ ክብድ ዝብለ ኣርእስቲ እዩ፡፡ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ እናሃሎኹ ንኡስ ምህሮይ ታሪኽ እዩ ኔሩ፤ ስለዚ ድማ በቲ በውልቀይ ዝፈለጥክዎ ክጅምር፡፡.

ከም ኤርትራዊ ንታሪኽ ሽወደን ብኸመይ እየ ዝጥምቶ? ፈለማ ሓደ ብሩህ ክገብሮ ዝደሊ ነጥቢ ኣሎ፤ ንሱ ኸኣ ኣብዚ ኣርእስቲ ምሁር ዘይምዃነይ እዩ፡፡

እሞ በቶም ብናጻ ናብ ኣእምሮይ ዝውሕዙ ጠውቂታትን ገለ ዘይተረጋገጹ ብህሎታትንዶ ክጅምር?  

ሽወደናውያን ንዝሓለፋ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ኵናት ዘበሃል ኣይረኣዩን፡፡. እዚ ዅሉ ዓመታት እንታይ ይገብሩ ኔሮም ኣይፈልጥን፤ ቅድሚኡ ግና ምስ ጎረባብቶምን ኪንዮ ሓጹር ዘለዉ መናብርቶምን ከይተሓለሉ ይጓሰጡ ምንባሮም እፈልጥ እየ፡፡.

ካበይ ከም ዝረኸቦ ኣይፈልጥን ፤ ግና ኣብዚ ዝቕመጥ ሓደ ኤርትራዊ ከም ዝነገረኒ እንተኾይኑ ሽወደናውያን ኵርምቱ እንከቐንዝዎ ናብ ኲናት ዘኽትቶም ንጉስ ኔርዎም፡፡ ሕሱም ቃንዛ ኵርምቲ እናደረኾ ክሳብ ዶብ ቱርኪ ተዋግአ፡፡ ዝበዝሕ እዋን ከኣ ይዕወት ነበረ፡፡.

ካልእ ኤርትራዊ ኸኣ ከምዚ ክብል ጸውዩኒ ኔሩ፡፡  ሽወደናውያን ክርስትና ቅድሚ ምቕባሎም ንሓድሕዶም ከም ሕሱም ብኣስያፎም ተጨፋጪፎም እዮም፡፡. ንሰብ ሕሩድ መስዋእቲ ጌሮም የቕርቡ፤ ደቀንስትዮ ክዝርፉ ክሳብ ዓዲ እንግሊዝ ይኸዱ ኔሮም፡፡

ወይንን ጓይላን’ሞ መን ሓዲርሉ! እዚ መጀመርታ ካቶሊክ ደሓር እምነት ከኒሻ ቅድሚ ምቕባሎም እዩ፡፡

ሓደ ካልእ ኤርትራዊ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ኢሉኒ፡፡ ሽወደናውያን ንምልእቲ ስካንዲናቭያ ይገዝኡ ኔሮም፡፡ ነዛ ኩላ ዴንማርካዊ፤ ፊንላንዳውያዊ ኣይትበል ሩስያዊ የንቀጥቅጥዋ ኔሮም፡፡

ዝዝረፋ ደቀንስትዮን ዝጭለጥ ወይንን ከናድዩ ከኣ ክሳብ ጠረፍ ኣመሪካ በጺሖም፡፡ .

ሕራይ እዝስ ደለ ምኾነ…!! ሽወደናውያን ንባዕላቶም ካበይ ቦቐሉ? ምናልባት ካብ ሩስያ እዩ ዝኸውን፡፡  

ሓቂ’ሓይሽ ዝፈልጦ የብለይን፡፡ ግና ንነዊሕ ዝምጠጥ ታሪኽ ዘለዎም ህዝቢ እዮም፡፡

ከም ሽወደን ዝበለት ቀዝሒ ቦታ ዘምረጾም ምኽንያት ግና እንታይ ኮን ይኸውን? ካብ ጫውጫውታን ዕግርግርን ህዝቢ ደቡብ ግልል ንኽብሉ ኢሎምዶ ይኾኑ፡፡  

ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ እናሃሎኹ ብዛዕባ ሽወደናውያን ዝዝክሮ ነገር እንተሎ እንተንቂዶም ዘይጸዓዱ ሓያላት፤ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ኸኣ ኣርሓ ምዃኖም እዩ ኔሩ፡፡.

ብባህሊ ዝመጸ”ውን ምዕቡላት ምዃኖም እዝክር፡፡ ነቲ ፍሉጥ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ሬነ ዴካርት ብኽብሪ ናብ ሽወደን ዓዲሞሞ ምንባሮም ኣብ ታሪኽ ተመዝጊብሎም ኣሎ፡፡

ቅዲ ፈረንሳ ግርም ዝመለኹ ሮማንሳውያን ቀባእቲን ጸሓፍቲን ከኣ ኣፍርዮም እዮም፡፡.

ሊኔስ (እቲ ስነ-ህይወታዊን) ኣልፍሬድ ኖቤልን ኩልሳዕ ዘይርስዖም ሽወደናውያን እዮም ኔሮም፡፡

እንተኾነ ናብ ሽወደን ምስ መጻእኩ እቲ ሴልሴስ ዝበሃል መዐቀን ሙቐት፤ ፍሪጅ ከምኡውን ብርቱዓት መብስዒ ማሽናት ውጽኢት ምህዞ ሽወደናውያን ምዃነን ፈሊጠ፡፡.

ሃገረይ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ክትወጽእ 30 ዓመት እያ ተቓሊሳ፤ ኖርዌይ ግና ናጽነታ ካብ ሽወደን ብወርቃዊ ቢያቲ እያ ተቐቢላ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ኣገሪሙኒ፡፡

ሽወደናውያን ቅንዕናነ ፍትሕን መሊእዎም እዩ!

ምግራመይ ግና ኣብዚ ዘብቅዕ ኣይኮነን፡፡ ክሳብ ቀረባ መዋእል ዓዲ ድኻታት ዓዃይ ዝነበረት ሽወደን ኣብ ዝሓለፋ 70 ዓመታት ከመይ ኢላ ዓዲ ሓቀኛ ዴሞክራሲን ኩለመዳያዊ ፍትሒን ንምዃን ምብቅዓ ኩልሳዕ እዩ ዘገርመኒ፡፡.

ሃይማኖት ኣብ ሽወደን

ኣብያተ ክርስትያናቶም ውቑር ምስሊታት ከም ዘይብሉ ብምርኣይ ሽወደናውያን ከኒሻ ምዃኖም ኩሉ ኤርትራዊ ብቐሊሉ ይግምቶ እዩ፡፡ እንተኾነ ግና ንሉተር ምስዓብ ቅድሚ ምጅማሮም ካቶሊክ ምንባሮም ዝፈልጡ ሒደት እዮም፡፡ ሉቺያ ዝብል ስም ምስ ሰማዕኩ፤ ኣብ ከባቢ ልደት ከኣ ከም እትንገድ ምስ ፈለጥኩ “እዝስ ሓድጊ ካቶሊክ ይመስል” ኢለ ምስ ነብሰይ፡፡

ንእግረ መንገደይ ክነግረኩም ግዳ! እቶም ንቫይኪንግስ ወንጌል ዝሰበኹሎም ካቶሊካውያን-ሚስዮናውያን ነዚ ሓድሽ እምነት ኣብዞም መጠዓውቲ ህዝቢ ከስርጹ ዳሮም እዮም ርእዮም፡፡ ቫይኪንግስ ንየሱስ ገዲፍካ ዘየመልኽዎ ኣይነበሮምን—ጎብኡ ኣይትበል ገረቡ! ንጸሓይውን ኣይገደፉን!

ንሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመታት ክርስትና ክስዕቡ ድሕሪ ምጽንሖም ኣብዘን ዝሓለፋ 70/80 ዓመታት ግና ዝሰልከዮም ይመስሉ፡፡  

ሎም-ሎሚ ኣብያተ-ክርስትያናቶም ንሞያተኛታት ዲያቆናትን ሰውራውያን ኣቕሽሽትን እናገደፉ ናብ ኣምልኾ መንግስቶምን ቅዋሞምን የብሉ”ለዉ፡፡ ሎሚ ሽወደን ክርስትያናዊት ሃገር እያ ምባል ብዓይኒ ፖለቲካ ዘይቅኑዕ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፡፡. ክርስትያናዊ ያታ ሽወደን ኢኻ ትብል፡፡

ብኻልእ ሸነኽ ሃይማኖት ምስልምና ካልኣይ ዝበዝሑ ተኸተልቲ ዘለውዎ ሃይማኖት እዩ፡፡ ግደ ሓቂ ኣብ ሽወደን ንየሱስ ካብ ዘምልኹ ንኣላህ ዝሰግዱ ይበዝሑ፡፡. ብዛዕባ ሽወደን ደስ ዘብል እንተሎ ሽወደን ኣብ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ነጻነት ከምኡ”ውን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝያዳ ትኹረት እትገብር ዓለማዊት መንግስቲ እያ፡፡ ስለዚ ድማ ኣብዞም መበቆሎም ብሩህ ዘይኮነ ንባዕላቶም ተኸተልተን እኳ ተገራጫዊ ባእታታት ዘለወን ስርዓተ እምነታት ጉዳይ የብላን፡፡

ኣብ ሽወደንን ካልኦት ዶሞክራስያውያን ሃገራት እምነትካ ምስ መሰረታዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ክገራጮ የብሉን፡፡ እዚ ባህ እዩ ዝብለኒ፡፡ ንኣብነት ካብ ዓድኻ ሒዝካዮ ዝመጻእካ ሃይማኖትካ ንሰበይትኻን ደቅኻን ክትገፍዕ ዝፈቕደልካ ኮይኑ ቅዋም ሽወደን ቅድሚ ምዕዛብካ ሃይማኖትካ ብዕቱብ መርምር፡፡ ዝኾነ ሃይማኖት ኣብ ሽወደን ክዝውተር ቅድሚ ምጅማሩ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ይራጸም ድዩ ዝብል ሕቶ ክምለስ ይግባእ፡፡ ሰባት ናብዚ ዓዲ ዝመጹ ፍትሒ ንምንዳይ እምበር ኣብ ዓዶም ዘሕለፍዎን ዑቕባ ንኽሓቱ ዝገበሮምን ግፍዒ ንኽደግሙ ኣይኮነን፡፡

ኣብ ሃገረይ ኤርትራ መንግስቲ ንሃይማኖት መጋበርያ ጨቋኒ ስርዓቱ እዩ ጌርዎ፡፡  እቲ ዝተረፈ ሃይማኖት ዘርክበሉ ዓውዲ ድማ መጨቆኒ ሓፋሽ ዝኾኑ ኣዋጃትን ሕጊታትን ብምውጻእ ይትግበር፡፡

ሃይማኖት ከም ዕጸ-ፋርስ ሓፋሽ የገልግል ተኾይኑ መንግስቲ ንእኩይ ዕላማኡ ከውዕሎ ድሕር ኣይብልን እዩ፡፡

መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዘይፈልጥዎ ሓቂ ኣሎ፤ ንሱ ኸኣ ሽወደናውያን ክርስትና እንታይ ምዃኑ ገና ከይፈለጡ ንሕና ዘመናት ቀዲምናዮም (ካብ 4ይ ክፍለ-ዘመን ኣትሒዝና) ክርስትና ምቕባልና እዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ደረጃ ሰሓባ ካብ ምድሪ ዓረብ ተገፊዖም ናብ ምድሪ ሓበሻ ብነጃሺ ዑቕባ ምስተዋህቡ እስልምና ተቐቢልና፡፡  

ንምጥቕላል  ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሽወደን ምስ ዝመጸ ኣለም ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝገበርክዎ ዕላል ከወስደኩም፡፡ .

“ክሓተካባ….እዞም ሽወደን ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምኑን ዝበሃልሲ ሓቂ ድዩ?” ክብል ሓተተኒ፡፡.

“ጥንቲ-ጥቅምቲ ክርስትና እተቐበልኩ ሃገር”የ ኢላ ካብ እትሕበን ሃገር ሃዲምካ ኣብ ሓንቲ እምነት-ኣልቦ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ እነሆኻ….ካብዚ እንታይ ትርዳእ?” መለስኩሉ፡፡ .

ድሕሪዚ ድሕነትን ሰብኣዊ መሰልን ኩሎም ደቂ ሰብ (እንተላይ ዕቑባ ደልዮም ዝኣትዉዎም) ቀዳምነት ብምሃብ ዝሰርሕ ህዝቢ ካብቶም ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ኢና እናበሉ ኣብ ህዝቦምን ጎደቦኦምን መከራ ዘውርዱ ንላዕሊ ሓቀኛ ፍቓድ ኣምላኽ ብግብሪ ይፍጽሙ ምህላዎም ከረድኦ ፈተንኩ፡፡  .

ኣለም ግና ኣይተዋሕጠሉን፡፡ ክላ! ኣብ ሽወደን ሰብኣይ ባርያ ሰበይቲ እንደኣሉ! ብምባል ነቲ ፍትሒ ዝበልክዎ ነጸጎ፡፡

“እዚ ቅቡል ኣይኮነን!” ክብል ተቓወመኒ፡፡

“እዚ ሕቶ ጾታ ኣይኮነን፤ ብመሰረቱ ሕቶ መሰል ወዲ ሰብ እዩ” ኢለ ኣሪመዮ መብሪሂየይ ክቕጽል ፈተንኩ፡፡

“እንድሕር መሰረታዊ መሰል ወዲ ኣዳም ብልቢ ትኣምነሉ ኴንካ መሰል ደንስትዮን ማዕርነት ጾታን ክንድዚ ከሰክፈካ ኣየግባእን፤ ምኽንያቱ ደቀንስትዮ ከማኻ ሰብ ስለዝኾና፡፡

ዶስ ንሰብኡትን ኣንስትን በበይኑ ሰብኣዊ መሰል ክህሉ ኣለዎ በሃላይ ኢኻ?”

ከምዚ ምስበልክዎ ኣለም ኣምላኽ ጓለንስተይቲ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ክትከውን ኢሉ ኣይፈጠራን፤ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ እዩ ዝብል ኢሉ ተቓወመኒ፡፡

ደገፍ ክኾኖ ኸኣ ካብ ኦሪት ዘፍጥረትን ቈረንቶስን ጠቐሰለይ፡፡.

ኣነውን ብግደይ መለስኩሉ፡፡

“ኣብ መጽሓፍ ዘዳግም እብ ምውሳድ ምርኮ ደቀንስትዮ ድሕሪ ኣድጊ ተሰሪዐን ኣለዋ፡፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓሉ ክንፍጽሞ ኢና ኢልና እንተንለዓል ዓለምና ብባራዩ፡ ዓሌተኛታት፡ ጠንቋሎ፤ ቆልዑ ዝጋሰሱ፤ ሓረድትን ጎመድትን፤ ዘይምዕሩይ ሕጊ፤ ጽንተት ዓሌት፤ ነፍሶም ብቦምብ ዝፍንጅሩ፤ ጃምላውያን ቀተልቲ፤ ሃይማኖታዊ ኵናት፤ ማሪት፤ ስነክሳር፤ ውለቀመኽቲ፤ ንእንስሳ ዘይርህርሁ ሰባት ምኾነት ኔራ….ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ እዩ መሊኡ ዘሎ!”   

ኣለም ነዚ ምባለይ ኣይፈተዎን፡፡ ከምዚ ኢለ ክዛረብ ኣይረተጸበየንን መስለኒ፡፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ደጋጊሙ እዩ ኣንቢብዎ፤ ዓብዪ ኣኽብሮት ከኣ እዩ ዘለዎ፡፡

ሃንደበት ንሃይማኖትን ቅዱስ ዝበሃልን ምንም ኣኽብሮት ዘይብሉ፤ አረ”ውን ነቲ ዘተቐደሰ መጽሓፍ ዝነቅፍ ሰብ ጎፍ ኢለዎ፡፡ ይኹነ”ምበር ብውሽጢ ልቡ ኣነ ኣብ ቅኑዕ ምጉት ምህላወይ ከይተሰምዖ ኣይተረፈን፡፡

ቋንቋ ሽወደን

ኣብ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ኣስመራ እየ ቋንቋ ሽወደን ንመጀመርታ ግዜ ክዝረብ ዘሰማዕኩ፡፡ እዛ ቤተክርስትያን ገጠራት ሽወደን ትመስል ቤተመቕደስ ኮይና፤ ዘንጋር መስበኽያ፤ ተንቀሳቓሲ መጥመቒ፤ ኣብቲ ፊተፊት መንደቕ ድማ የሱስ ኣብ ጌትሰማነ ዘርኢ ቅብኣ ነበራ፡፡

ናይቲ ካህን ስበከት ብቐሺ ዓድና ናብ ቋንቋና ይትርጎም ነበረ፡፡ ዘይከምቲ ብዙሕ ብጎረሮ ዝድመጽ ዝበዝሖ ትግርኛ ሽወደንኛ ልስሉስን ሙዚቃ ዝጥዕም ምንባሩን እዝክር፡፡  

ናብ ሽወደን ምስ መጻእኩ ግና ዋላኳ ተዛረብቱ ኣየስተውዕሉሉ እዚ ቋንቋ ብብዙሕ መዳዩ ምስ እንግሊዘኛ ከም ዝመሳሰል ተገንዘብኩ፡፡ ብዙሕ ናይ ፈረንሳይ ቃላትን ኣባህላታትን ከም ዝተለቅሐን ዘርዓመን ድማ ክርኢ ክኢለ እየ፡፡  

ሽወደን ምስ ኣተኹ ልዕሊ ዝኾነ ዘገረመኒ ግና ዳርጋ ኩሎም ሰባት ጽቡቕ እንግሊዘኛ ዝዛረቡ ምዃኖም እዩ፡፡ አረ ገሊኣቶምስ ላህጃኦም ኦክስፈርደቶት እዮ ዘምስሎም፡፡ ቋንቋ ሽወደን ክትለምዶ ቀሊል እዩ፡፡ እቲ ጸገም ናብ ሱፐርማርኬት ኬድካ ተሓዚት ገንዘብ ቅልጥፍ እናበለት ክተዛርበካ እንተጀሚራ እዩ፡፡

ሽወደናውያን ገሊኡ ድምጺ ይውሕጥዎ እዮም፤ ከም ጣልያን ዘረብኦም ንጹር ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ድማ ወደባት ሽወደን ክዛረበካ እንተጀሚሩ ክትሕዞ የጸግም እዩ፡፡

ይኹን”ምበር ኵሎም ስደተኛታት ንቋንቋ ሽወደን ይመልክዎ ማለት ኣይኮነን፡፡ ብዙሕ ልምምድ ይሓትት እዩ፡፡ ሽወደናውያን ብባህሪን ልምዲን ብዙሕ ተዛረብቲ ኣይኮኑን፡፡

ኣብ ዓዲ ጣልያን ቋንቋኦም ክትመልኽ ናብ SFI—SAS ፕሮግራማት ምኻድ ኣየድልየካን እዩ፡፡ ናብ ቤት መግቢን መስተን ክትመላለስን ምስ “ኣጥብቆ ጠያቂ” ጣልያናዊ ጎረቤትካ ከተዕልልን ኢኻ ክትመልኮ ትጅምር፡፡

ሓደ ቋንቋ ሽወደን ዝለምድ ዘሎ ዓርከይ ቀንዲ ሽግሩ ሓንቲ ቃል ሽወደንኛ ኣማኢት ትርጉም ዘለዋ ምዃኑ ነጊሩኒ፡፡

አረ ሽወደናውያን ንባዕሎም በዚ ይሽገሩ እዮም ኢሉኒ፡፡ ከምዚ እናበለ ኣብቲ ቋንቋ ዘለዎ ተገዳስነት እናጥፍአ መጺኡ፡፡ ንሶም ንባዕሎም እኳ እናበርትዖምሲ እንታይ ኣእተወኒ እየ ሕጊግ ዝብል ኢሉ ኣማረረ፡፡ ኣነ በዚ ኣይተሰማማዕኩን፤ ምኽንያቱ ከም ተመሃራይ ቋንቋ መጠን ድሕሪ ፊንኛን ሃንጋሪኛን ትግርኛ እቲ ዝበርትዐ ቋንቋ ምዃኑ እፈልጥ እየ፡፡

ገዛእቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ 60 ዓመት ተቐሚጦም ቁርፍራፍ ቃላት ትግርኛ ጥራይ ሒዞም ከይመለኽዎ እዮም ንዓዶም ተመሊሶም፡፡

ቋንቋ ሽወደን ምምላኽ ጥቕሙ ዶብ”ውን ይሳገር እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ዴንማርክ፤ ኖርዌይን ፊንላንድን እውን ከይተሰከፍካ ክትግልገለሉ ትኽእል ኢኻ፡፡  ቋንቋ ምምላኽ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንስሉጥ ምውህሃድ ክኸውን ኣለዎ፡፡

ቋንቋ ብግቡእ ዘይትመልኽ እንተዄንካ ምውህሃድ ዝበሃል ዘይሕሰብ እዩ፡፡

ብሓንቲ ዋዛ ክዛዝም፡፡

ማሉ ዝስሙ ምስ ጤለ-በጊዕ ኣብ ገጠር ኤርትራ ዝዓበየ ዘመደይ ወዱ ክርኢ ናብ ኣመሪካ ከደ፡፡ ሓደ ወርሒ ምስገበረ “ወይ ኣታ ፈጣሪ….ከመይ እተረግመ ዓዲዩ…ሓደ ትግርኛ ዝዛረብ ዘየለ” እናበለ ተገረመ፡፡

ኣምላኽ ንዓለም እንክፈጥራ ብትግርኛ እዩ ዝዛረብ ኔሩ ኢሉ ይኣምን ብምንባሩ ፍጹም ሓርበቶ፡፡

ክብል ክብልዶ ዓዲ ደናቑር መጺአ በለ፡፡ ከምዚ ኣዕሚቑ እናስተንተነ ኪንዮኡ ኣብ ዝነበረ ጋጽ ዝነበራ ኣባጊዕ “ቤዕ-ቤዕ-ቤዕ” ክብላ ሰምዐ”ሞ “ተመስገን ጎይታይ—ኣማስያኡ ዝፈልጦ ቋንቋ ዘስማዕካኒ” በለ፡፡

ፖለቲካ

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ሽወደን ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ክትጥቀስ ሰሚዐ ኣይፈልጥን፡፡ ሽወደን ገለልተኛ ሃገር ብምዃና፤ ኣብ ክልቲኡ ኲናት ዓለም ከኣ ብዘይ-ምስታፋ እዩ ዝኸውን፡፡

ብዛዕባ ሓደ ነገር ግዳ ርግጸኛ ኔረ፡፡ ንሱ ኸኣ ሽወደን ምስተን ድሕር ዝበላ፤ ውጹዓትን ድኻታትን ሃገራት ትውግን ምንባራ፡፡

አረ ገሊኣቶም ደቂ ሃገረይሲ ሽወደን ማሕበርነታዊት ሃገር እያ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ፡፡

ሽወደን ብንጉስ ትመሓደር ሃገር እያ፤ ንጉሳ ከይተሰከፈ ምስ ህዝቡ እናተዋስአ ይነብር፡፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ግና ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ብዛዕባ ዘሎ ምሕደራ ምንም ኣፍልጦ ኣይነበሮምን፡፡

ኦላፍ ፓልመ ምስ ተቐንጸለ ግና እዚ ክቕየር ጀሚሩ፡፡ ሽወደን ናብ ጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ ብዝዛዙ ሰልፊ ትምራሕ ምዃና ንብጾተይ እናበርሃሎም መጺኡ፡፡

ሰባት ብዛዕባ ማሕበርነታውያን-ዴሞክራት ክዛተዩ ጀሚሮም፡፡

ይኹን”ምበር ንሽወደን ብደቂ ሃገረይ ፍልጥቲ ዝገብራ ልዕሊ ፖለቲካኣ እቲ ናይ ሰበኣዊ ድሕነት ስርዓታ እዩ፡፡

እቲ ፖለቲካዊ ዝንባለ ብዘየገድስ በቲ ምስ ህዝባን ስደተኛታትን ዘለዋ ፍትሒ ዝመልኦ ምሕደራኣ እያ ዘያዳ እትምስገን፡፡         


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com