Thursday , April 18 2024

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ካልኣይ ክፋል

ብቐዳምነት ብዛዕባ ፍልጠት ሽወደንን ህዝባን ብዝምልከት ክልተ ዓይነት ኤርትራውያን ከተለሊ ትኽእል ኢኻ፡፡ እቶም ቀዳሞት ኣብ 1950ታት ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን ሽወደናውያን ዝተማህሩ  እዮም፡፡ እቶም ካልኦት ከኣ ኣብአን ዘይተማህሩ፡፡ ኣነ ንባዕለይ ካብቶም ኣብአን ዝተማህሩ እየ፡፡ ግና ኣብዚ ጽሑፍ ነቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው ክቐጽል እየ፡፡

ንሽወደን ብኣካልን በወረን እየ ዝፈልጣ፡፡ ወላዲተይ ኣብ ወንጌላዊ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ሽወደን እያ ተማሂራ፡፡ ኣብኡ ድማ እያ ምስ የሱስ ጥቡቕ ምሕዝነት ዝፈጠረት፡፡ ብዛዕባ እቶም ምስ የሱስ ዘላለዩዋ ስሙያት ሚስዮናውያን ሽወደናውያን ከምኒ ኣባ ሆልምስ፣ ኢቫርሶን፤ ኒስትሮምስ፡ ቢስትሮሙስ፤ ሲግንየስ ፣ ኣክስለስ፤ ኡልሶንሰ ወዘተረፈ ኸኣ ኣዕሊላ ትጸግብ ኣይነበረትን፡፡ ኩሎም ክዕጸድ ዝበጽሐ ስርናይ ዝመስል ወርቃዊ ጸጉሪ ዘለዎም ከምኡውን ቆማታት እዮም ዝነበሩ፡፡ ንሶም ካብ ምድሪ ቫይኪንግ ክንሶም ብዛዕባቲ ብዓሌቱ ካብ ምድሪ ዓረብ ዝኾነ ንዓና ዝቐርበና የሱስ ክነግሩና ይመጹ ኔሮም፡፡ ክርስትያን ዝነበርና ክንስና ብዛዕባ ወንጌል ክነግሩና ክንደይ በረድ ሰንጢቖም ናባና ምምጽኦም ይገርመኒ እዩ፡፡

ብዛዕባ ኣወጻጽኣ ገንዘብ ዝመጸ ኣዚና ጥንቁቐት ክንከውን ዝመሃሩና እውን ንሳቶም እዮም፡፡ ኤርትራውያን ተኸተልቲ እምነት ፕሮቴስታንት ክሳብ ሕጂ ከም ምሒር ጥንቁቓት አረውን በቃቓት እዮም ዝበሃሉ፡፡ ግደ ሓቂ ንምዝራብ ወዲ ሽዱሽተ ሸውዓተ ዓመት እናሃሎዂ ሽወደናውያን እንታይ ከም ዝመስሉ እፈልጥ ኔረየ፡፡ ካበይ መጺኦም ግና ይርዳኣኒ ኣይነበረን፡፡ ሕብሮም ጻዕዳ ስም ደቆም ከኣ ላሰ ኦልጋ ይበሃል ከም ዝነበረ እዝክር፡፡ ርግጽዩ ካብቶም ገዛእትና ዝነበሩ ዓዲ ጣልያን ወይ እንግሊዝ ከም ዘይመጹ ንዓይ ርዱእ እዩ ኔሩ ምኽንያቱ ቋንቊኦም ፍልይ ዝበለ እዩ ዝነበረ፡፡ ብዘይ ብእኡውን ዝበዝሐ ግዜ ትም ምስ በሉ እዮም፡፡

ልዕሊ ኹሉ ዘገረመኒ ግና ኣብቲ ግዜቲ ገሊኣቶም ብቋንቋይ ትግርኛ ክሰብኩ ምስምዐይ እዩ፡፡ ኣረውን ገሊኣቶምስ ብትግርኛ ሓጸርቲ ዛንታታትን ምስላታትን ምፍላጠይ ብዙሕ ኣገሪሙኒ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ኣብ ምዕባለ ጽሑፍ ትግርኛ ኣበርክቶ ጌሮም እዮም፡፡

እቶም ብቐረባ ዘይፈልጥዎም ኤርትውያን ብዛዕባኦም ግዲ ኣይገበሩን፡፡ ካብ 1974 ዕልዋ ሃይለስላሰ ጀሚርካ ክሳብቲ ኤርትራ ሓራ ዝወጸትሉ ዓመት ግና ነገራት ተቐያዪሮም፡፡ ኣብዚ ግዜዚ ብዙሓት ኤርትውያን ዓዶም ገዲፎም ናብ ኣውሮጳ ተሰዲዶም፡፡  እቶም መንበሪ ፍቓድ ሽወደን ዝረኸቡ ሰባት ብዛዕባታ ሃገርን ዘደንቕ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ስርዓታን ኣብዚሖም ክጠቕሱ ሰሚዕና፡፡ ስለዚ ድማ ንመብዛሕትኦም ደቂ ሃገረይ ሽወደን መሰታ ምድራዊት ገነት እያ ዝነበረት፡፡ ሽወደናውያን ከኣ ርህሩሃትን ኣድልዎ ዘይብሎምን ህዝቢ ጌርካ ይለዓሉ ኔሮም፡፡

 

እቶም ኣብ እንዳ ወንጌላውያን ሽወደናውያን ዝተመሃርና ግና ውዒልና ሓዲርና ሓውሲ ኢዚሀራውያን (ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ) ምዃኖም ምስ ፈለጥና ብዙሕ ኢና ጕሂና፡፡. ህዝቦም ቤተክርስትያን ከይዶም ዘይፈልጡ ክንሶም ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወንጌል ክሰብኩ ምምጽኦም ግር በለና፡፡ ደሓር ግና እዚኣቶም እቶም ዝወሓዱ ተረፍ ምዃኖም ተረዲኡና፡፡ መብዛሕትኦም ካብ ዞባ ኣፕሳላ ዝምቕማጦም ድኻታት ሓረስቶት ኮይኖም ካብ ንኣመሪካ ንስደድ ኣብ ኣፍሪቃ ነፍሳት ከነደሕን ብምባል ዝመጹ እዮም ኔሮም፡፡.

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብዚ ንዝቕመጥ ዓርከይ ብዛዕባ ሽወደናውያን ዘሎካ ርእይቶ ከመይ እዩ ኢለ ሓቲተዮ፡፡ ኣዝዮም ሕያዎት እዮም፤ በለሞ ልቦም ግና ኣይርከብን እዩ ክብል ወሰኸ፡፡ ከምዞም ቻይና ስንክሳር እዮም ማለቱ ዶ ይኸውን፡፡ ብልሓታ ዘይትፍጥ ክምስታ ኣላቶም፡፡. ኣነ ግና ነዕሩኸይ እብሎም–ሽወደናውያ ብልቦም ታይ ይሓስቡ ጉዳየይ ኣይኮነን፡፡ ብሰንኪ ስእነት ፍትሒ ካብ ዓዶም ሃጽ ንዝበሉ ክሳብ ዑቕባ ዝሃቡ ክድነቑን ክብሪ ክወሃቦምን ጥራይ እዩ ዝግባእ፡፡

ክልተ ዓመት ይገብር ኣብ መደበር ፖሊስ ጎተበርግ ከይደ ኔረ፡፡ እቲ ተረኛ በዓል መዚ ምስናይ ክምስታኡ ሻሂ ዓዲሙ ናይ ቤትጽሕፈቶም ቴሌፎን ክጥቀም ከም ዝኽእል ምስ ነገረኒ ኣብ ሓደ ንግዳዊ ባንኪ ዘሎኹ ክመስለኒ ጀሚሩ ኔሩ፡፡ ካብ ሓንቲ ከመ ፖሊስ ዜጋታታ ብሕሱም ሓለዋን ግበር ኣይትገበርን እትመሓደር ሃገር ምስ ምምጽአይ ኣብ ካልእ ፕላኔት ዘለኹ ክሳብ ዝመስለኒ ተዓዘምኩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ይትረፍ እንዳ ፖሊስ ቤት ጽሕፈት ቀረጽ እኳ እንዳ መግረፍቲ ምርመራ እዩ ዝመስለካ፡፡ እቲ በዓል መዚ ንእግረ መንገዱ ብመኪና ክማላኣኒ እውን ግዲ ኢሉኒ ኔሩ፡፡

ደሓር ዑቕባ ሓቲተ ካብ ካላረድ ናብ ፈሎቢ ምስ ኣሰጋገሩኒ እውን እንተኾነ እቲ ንሳቶም ካምፖ ዝብልዎ ጽፉፍ መንበሪ ገዛ ምዃኑ ምስ ረአኹ ብዙሕ እየ ተገሪመ፡፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ካምፖ ከም ስሙ ካምፖ እዩ ዝነበረ፡፡ ኣብ ካመፖ ሰልስተ ወርሒ ምስ ተቐመጥካ ናብ ካልእ ናይመበል 19 ክፍለ ዘበን ሆስፒታል ዝመስል ሓውሲ ካምፖ እዮም ዝሰዱኻ፡፡    ገለ ካብም ካምቦታት ካብ ከተማ ውጽእ ኢሎም ኣብ ጥቓ መሰልጠኒ ኣፍራስ ወይ ኣኽልብቲ ስለ ዝኾነ ሰብኣዊ ክብረትካ ብዘገምታ  እዩ ክበንን ዝጅምር፡፡ ኣብ ሽወደን ግና ፍሉይ እዩ፡፡ ሰብኣዊ ክብረትካ ምስተሓለወ እዩ፡፡

ሓደ ዓርከይ ከምዚ ኢሉኒ: “ኣብ ካላሬድ ጉተንበርግ ዑቕባ ምስ ሓተትኩ ከምዛ ንኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ዝመጻእና ጌሮም እዮም ተቐቢሎምና፡፡ ኩሎም ብሕያውነት ተቐቢሎምኒ፡፡ ፍሽኽታ ኣይፍለዮምን እዩ፡፡መወዳእትኡ ዓዲ ሰብ ኣትየ ኢለ ኡፈይ ኢለ እብለካ.”

ሕጂ ብዛዕባ ውልቃዊ ዝምድና ገለ ክብለኩም፡፡ ኣብ ሃገርና ሰብ ሸተት ኢሉ እንተወዲቑ ሰባት ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ በተግ ኢሎም ከልዕልዎ ይጓየዩ፤ ብዓቕሞም ከኣ የትብዕዎ፡፡ ኣብ ሽወደን ከምዚ ከይትገብር ሓደራኻ ኢሉኒ ሓደ ዓርከይ፡፡ ሽወደናውያን ኣምቡላንስ ኣለዎም፡፡ ሸተት ኢላ ንዝወደቐት ሰበይቲ ከም ባህልና ከልዕለኪ ምባል ክብራ ምግሃስ ስለ ዝኾነ፡፡ ኣብ ዘላቶ ግደፋ!

ሓደ ኤርትራዊ ከም ባህሉ መሲዎ ናብ ስነስርዓት ቀብሪ ሓደ ሽወደናዊ ተሳቲፉ፡፡ ኣዝማድ መዋቲ ዘይተጸውዐ ጋሻ ምርኣዮም ብዙሕ ኣይተሓጎሱን፡፡ መወዳእትኡ ጎሲምዋ ተመሊሱ፡፡ ኣብ ዓድና ሰብ ነዛ ጨካን ዓለም ብኣግኡ ሞይቱ እንተተፈልዩዋ ኩሉ እዩ ዝበኽየሉ፡፡ ብምኽንያት ዕጫ ወዲ ሰብ ንነብዕ፡፡ኩሉ ሓውና ወይ ሓብትና እዩ፡፡

ንእግረ መገድና ገለ ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ሽወደናውያን ኖርዌጃውያንን ፊንላንዳውያንን ምፍልልይ ክገብሩ ይሽገሩ እዮም፡፡ ሕጂ ግና ድሕሪ ግዜ ኖርዌጃውያን ዝሃብተሙ፤ ፊንላንዳውያን ዝረሓቑ፡ ሽወደናውያን ከኣ ተጻወርቲን በላሕቲን እዮም፡፡

ንዓይ ኩሎም ሽወደናውያን ወረቃዊ ጸጉሪ ዘለዎምን ነዋሕቲን እዮም ዝመስሉኒ ኔሮም፤ ግና ከምኡ ዘይኮኑ ሽወደናውያን ከም ዘለዉ ፈሊጠ፡፡ግና ኩሎም እኳ ኣይበሃሉ እቶም ዝበዝሑሲ ዕዙዛትን ክቡራትን ምዃኖም እየ ኣረጋጊጸ፡፡

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com