Friday , April 26 2024

ሽወደናውያን ንመምርሒታት መገሻ ከምዘተግበሩ ተፈሊጡ።

መብዛሕትኦም ተገልገልቲ ኩባንያ ቴልያ (Telia) ዝኾኑ ሽወደናውያን ነቲ ብመንግስቲ ዝወጸ ኣብ እዋን በዓላት ናይ ዘይምጋሽ መምርሒ ከም ዘተግበሩ ብመንገዲ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣነጺሩ። ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረስ ምስ ምንቅስቓስ ሰባት ንምዝማድ ክኽእሎ ካብተን ኩባንያታት ነቲ ናይ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ሓበሬታ ክጥቀመሉ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብ እዋን በዓላት ብሽወደናውያን ዝፍጸሙ ዝነበሩ መገሻታት፡ ናብ እንዳ ቤተ ሰብን መዘናግዒ ጎቦታትን፡ ከምዝነከዩ እቲ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ ክትብል ተለቪዥን ሽወደን STV ኣቃሊሓ። መገሻታት ብጣዕሚ ቀኒሶም።

ንኣብነት ካብ ስቶክሆልም ይኹን ዮቶቦሪ ናብ ደሴት ጎትላንድ (ዮትላንድ) መገሻ ዳርጋ ዘይነበረ’ዩ ክብል ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታ ኩባንያ ቴልያ፡ ክሪስቶፈር ኦግሪን፡ ሓቢሩ። ካብ ስቶክሆልም ናብዛ ደሴት ዝግበር ዝነበረ መገሻ ብ96% ጎዲሉ። ኣኻልእ ወገን፡ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ዓርብን ቀዳምን ኣብ ስቶክሆሎም ዝያዳ ምንቅስቓሳት ተራእዮም። 19.5% ካብ ተቐማጦ’ታ ከተማ ብገምጋም ናይ 5 ኪ.ሜ. ዝርሕቐቱ መገሻ ከምዘካየዱ ኣብ ኩባንያ ትረ (Tre) ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታ ዝኾነ ሞርቲን ሎንዲበሪ ሓቢሩ። ንኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝተዋህበ ሓበሬታ ናይ ምንቅስቓስ ድኣ እምበር መንነትን ዝኾነ ካልእ ሓበሬታ ናይ ተጠቃማይ ከምዘይጠቓልል ክሪስቶፈር ኦግሪን ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com