Wednesday , April 24 2024
Foto: Janerik Henriksson / TT / kod 10010

ሽወደናውያን ንዩክሬናውያን መጽለሊ ይቕርቡ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ካብ ዓሰርተትት ኣሽሓት ክሳብ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ዩክሬይን ናብ ሽወደን ዕቚባ ክሓቱ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ዛጊት እዞም ዩክሬናውያን ብ ስድራቤትን ኣዕሩኽን መጽለሊ ይቕረበሎም ከም ዘሎን እቲ ኲነታት ነቲ ኣብ 2015 ዘጋጠመ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዘዘኻኽርን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

ሽወደናውያን ነዞም ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጥዎም ሰባት ኣብ ቤቶም ከም ዘጽልሉ ብምግባር ይሕግዝዎም ምህላዎምን ብ ኦንላይን ዝዓዪ ሓገዝ ዘወሃህዱ ጒጅለታት ይነጥፉ ምህላዎምን እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com