Friday , April 19 2024

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ቀዳማይ ክፋል

ሃገር ሽወደን

ሸወደን ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ዓለምና እትርከብ ሃገር እያ፡፡ ስለዚ ድማ ኣዝዩ ዝሑል ክሊማ ዘለዋ ሃገር እያ፡፡ኣብ ሃገረይ ዝሑል ንፋስ ካብ ሰሜን እዩ ዝመጽእ፤ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንሰሜን ገጽካ እናረሓቕካ ምስ እትኸይድ እቲ ኣየር እናዘሓለ ይኸይድ፡፡

መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ሽወደን እንክበሃል ዓዲ በረድ፤ ዓዲ ሽሻይ፤ ሰላምን ምርግጋእን ዘለዋ፤ ኵሉ በሊዑ ሰትዩ ዝሓድረላ፤ ሰራቒ ዝበሃል ፍጡር ዘይብላ፤ ገበነኛ ስለዘየሎ ከኣ ፖሊስ ኣብ ገዝኡ ዝውዕለላ ሃገር ዝብል ስእሊታት እዩ ናብ ኣእምሮኦም ዝመጾም፡፡

ኤርትራዊያን ኣቦታት ደቆም ንመገሻ እንከፋንዉ “ጻዕዳ ርገጽ/ጺ” እዮም ዝብሉ፡፡ እዚ ማለት ድማ ወዶም ወይ ጓሎም ናብታ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተወት ሃብታምን ሕጉስትን ክትከውን ዝገብርዎ ትምኒት እዩ፡፡ ብዙሓት ንሽወደን ዝኸዱ ኤርትውያን ናብ ስድራኦም ኣብ ዝሰድዎ ስእሊ በረድ ዝሸፈኖ ጎደናን ሓዳስ ዝገዝእዋ መኪናን ኩልሳዕ ኣይጠፍኣን እየን፡፡ እዚ ማለት ድማ እቲ ትምኒት ቃል ብቓሉን ብምሳሌኣዊ ኣዘራርባን ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ደቆም ጻዕዳ ይረግጹ እነሀዉ፤ እታ መኪና ውን ተጠርያ ኣላ!

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ቆልዑ ተማሃሮ ኣብ ዝነበርናሉ፤ ካብ ብዛዕባ ሽወደን ብዛዕባ ቻይናን ህንድን ዝተመሃርናዮ ይበዝሕ፡፡ ኣብ 50ታት ሽወደን ብኣፍሪቃውያን ትፍለጥ ሃገር ዝነበረት ኣይመስለንን፡፡ በዛዕባ እታ ብኣግራብ ዝተሸፈነት ሽወደን ዘይኮነ ነታ ብበረድ ዝተጎብአት ግሪንላንድ ኢና ዝያዳ ንፈልጣ ዝነበርና፡፡

ድሕሪ ግዜ ግና እቶም ኣብ ታሪኽ ቫይኪንግ ዝበሃሉ ካብ ሽወደን ዝመጹ ምንባሮም ፈሊጥና፡፡ ቫንዳል፤ ኦስትሮጎት፤ ቪዚጎት ወዘተረፈ ንኣውሮጳ ዘዕለቕለቕዋ ካብዚ ብበረድ ዝተሸፈነ ክሊ ስካንዲናቭያ እናነቐሉ ምንባሮም ተረዲኡና፡፡

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትና እሞ ኸኣ ብዛዕባ ኣልፍረድ ኖበልን ናይ ነታጕ ምህዞኡን ተማሂርና፡፡ ሽልማት ኖቤል ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ከም ዝዕደል ከኣ ቀስ ብቐስ ተማሂርና፡፡ መወዳእትኡ ኸኣ እቶም ABBA ዝበሃሉ ፍቱዋት ጕጅለ ሙዚቃ ብምሉኣቶም ሽወደናውያን ምንባሮም ፈሊጥና፡፡ ንምንታይ ደኣ ወደይ ብእንግሊዘኛ ዝደርፉ ኢሉ ዘይሓትት ኣይነበረን፡፡

ካብ ኵናት ቬትናም ንዝሃደሙ ዕቚባ ዝሃበት ፋልመይቲ ሃገር ሽወደን ምንባራ ደሓር ሰሚዐ፡፡ በቲ ደፋር ስጕምታ ድማ ተደኒቐ፡፡ ኣብቲ ግዜያት ብዙሓት ደቂ ዓድና ነቲ ብሽወደን ዝተወስደ ተባዕ ስጕምቲ ይንእድዎ፤ ነቲ ናይ ኣመሪካ ሃጸያዊ ወራር ከኣ ይጸልእዎ ኔሮም፡፡

ነቶም ፈተውቲ ቺነማ ብፍላይ ሽወደን ዓዲ ግሬታ ጋርቦን ኢንገሪድ በርግማንን እያ፡፡ ብፍላይ ድማ ግሬታ ጋርቦንን ሚስጥራዊ ባህርያታን ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ሲነማ ዓቢ ምንቕቓሕ እዩ ፈጢርሎም፡፡

ኤርትራ ዳርጋ ምድረበዳ ብምዃና ብዙሓት ኤርትራውያን ነቲ ብጫካ ዝተሸፈነ ጎቦታትን ብዙሓት ቀላያትን ሽወደን እንክርእዩ ብኣድናቖት እዮም ዝፈዙ፡፡ ክንድዚ ገረብ፤ ክንድዚ ማይን ሳዕርን….ኣቤት! ገለ እዋንስ ላሕምናን ኣጣልናን ምሳና ተሰዲደን እንተዝነብራ እናበልኩ እመነ እየ፡፡ ክሳዕ ዝጸግባ ሳዕረን ምመንጨታ ኔረን፤ ገሊአን ግና ብብዘሒ ምብላዕ ቶግ ምበላ፡፡ ተሮፖ ማነጂያረ ይብሉ ነበሩ ጣልያን!

ብዝሒ ማይ ጥራይ ዘይኮነ ጽሩይን ዝስተን ምዃኑ ድማ እቲ ካልእ ዓጃይብ! ሽወደን ኣብ ዓለም ዝነጠፈት ሓላዊት ጥዕና ኣከባቢ ክብልዋ ሓቆም እዮም! ኣብ ዓዲ ብዛዕባቲ ጫካታት ሽወደን ዝሰፈሩ ሸውዓተ ቀርኑ ብዙሕ እዩ ዝዕለል፡፡ ሓደኳ ርእየዮ እፈልጥየ ዝብል የለን ግና ብዛዕባኡ ብዙሕ ክዝረብ ኢኻ ትስመዕ፤ አረ ገሊኦምስ ብሓሳቦም ምስ ኣንበሳ የከራፍስዎ፡፡ እዚ ጽውጽዋይ ካበይ ከም ዝረኸብዎ ኣይፈልጥን፡፡

ኣነ ንባዕለይ ብዛዕባ ተዃሉ ብዙሕ ሰሚዐስ ብሓደ ካብኣቶም ከይበላዕ እፈርህ እየ፡፡ ከምቲ ኣብ ዓድና ዝብኢ ዘሎ ኣብ ሽወደን ከኣ ቫርገን ዝብልዎ መፍርሕ ኣለዎም፡፡ ኣብዚ በበረድ ዝተሸፈነ ጫካ ተዂላ ከይረኽበኒ እሞ ከይሰሃለኒ!

ይቕጽል


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com