Friday , March 29 2024
Erika Gabrielsson/Sveriges Radio

ሽወደንን ፊላንድ ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ የካይዳ!!

ልዕሊ 400 ሽወደናውያን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሓበራዊ ልምምድ ምስ ወታደራት ፊላንድ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ከተማ ሃንጎ ይካየድ ከምዘሎ ሰበስልጣኒ ሽወደን ሓቢሮም።

ሓልፊ ወታደራዊ ክፍሊ ሽወደን ፓትሪክ ጋርዲስተን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ምስ ፊላንዳውያን ብሓባር ብምስራሕ ዝበልጸን ዝሓየለን ከምዝገብረና ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓበይት ስርሓት ንኽንሳተፍ ከኽእለና እዩ ክብል ነቲ ልምምድ ኣመልኪቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

ሓለፍቲ ወታደራዊ ክፍሊ ፊላንድ ብ ወገነኖም እዚ ዓይነት ልምምድ ንወታደራት ፊላንድ ዝልዓለ ክብሪ ዘለዎ ኮይኑ በይኒካ ምስራሕ ዝክኣል ከምዝይኮነ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብ ሰኑይ መንግስቲ ፊላንድ ከምዝሓበሮ  ከምዚ ዓይነት ናይ ሓባር ልምምድ ኣብ ሞንጎ ሽወደንን ፊላንድን ኣብ ወታደራዊ  ልምምድ ጥራይ ከይተሓጽረ ናይ ምክኻል ወታደራዊ ሓይሊ ፊላንድ ዘሐይል እዩ ክብል ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com