Thursday , March 28 2024

ሽወደንን ፊንላንድን ምስ ፕረሲደንት ቱርኪ ክራኽባ እየን።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ እታ ሃገር እትኸዶ ዘላ መስርሕ ምጽንባር ኔቶ ኣመልኪታ ምስ ፕረሲደንታት ፊንላንድን ቱርኪን ንመጀመርታ እዋን ገጽ ንገጽ ክትራኸብ እያ ተባሂሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ቱርኪ ከም ኣባል ወተሃደራዊ ሽርከነት ሰሜን ኣትላንቲክ መጠን፡ ዘለዋ ናይ ድምጺ መሰል ተጠቒማ ንኣባልነት ሽወደንን ፊንላንድን ዓጊታ ብምህላዋ እዩ። ሰለስቲአን ሃገራት ቅድሚቲ ኣብ ማድሪድ ዝካየድ ጒባኤ ኔቶ ክራኸባ እየን ተባሂሉ’ሎ።

እዚ እናኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዮናስ ጋህር ስቶር ሽወደንን ፊንላንድን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ኔቶ ኣብ ጒዳይ ኣባልነት እቲ ኪዳንን ፕረሲደንት ዔርዶጋን ዘቕረቦ ቅድመ ኲነትን ኣመልኪቱ ፍታሕ ክረኽባ ተስፋ ከም ዘለዎ ጋዜጣ VG ሓቢራ’ላ።

ስቶር ምስ ማግዳሌና ኣንደርሾንን ኒኒስትሮን ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብ መንጎ ሽወደን ፊናልንድ ቱርኪን ብላዕላይ ደረጃ ዝርርብ ይካየድ ምህላዉን ምጅምር እዚ ጒኣኤ ፍታሕ ንምርካብ ሓደ ዕድል ምዃኑን ስቶር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com