Saturday , April 20 2024
Foto: Pontus Lundahl / TT kod 10050

ሽወደንን ፊንላንድን ብሓባር ኣባልነት ኔቶ ክሓታ ጻውዒት ቀሪቡ።

ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ጒባኤኡ ኣብ ዘካይደሉ ኣጋጣሚ ሽወደን ምስ ፊንላንድ ብሓባር ኣባልነት ኔቶ ክሓታ ከም ዝግባእ መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ጸዊዑ። ንሱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መደረ እዩ እዚ ዝበለ። ንሽወደን ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ— ሽወደን ኣባል ናይዚ ኪዳን ክትከውን የብላን—ዝብል መርገጺ እኳ እንተጸንሖ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ወራር ነዚ ጒዳይ ዳግማይ ንኽግምግሞ ይዝትየሉ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ። እዚ እናኾነ ትማሊ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ምስ ፊንላንዳዊ መሳርሕታ ፔካ ሃቬስቶ ከምኡውን ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶለንበርግ ብዛዕባዚ ጒዳይ ምዝታያ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com