Wednesday , April 24 2024

ሽወደን፡ ልዕሊ 50 ሰባት ምትእኽኻብ ትኽልክል።

ናይ ውልቂ ይኹን ማሕበራዊ ጽምብላት ኣብ ዝግበሩ ኣጋጣሚታት ልዕሊ 50 ሰባት ክእከቡ ፍቑድ ከምዘይኮነ መንግስቲ ሽወደን ሎሚ ኣብ ጋዜጥዊ መግለጺ መምርሒ ኣመሓላሊፉ። እዚ መምርሒ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ነዚ መምርሒ ዝጥሕሱ ሰባት ክሳብ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክውሰነሎም ምዃኑ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እዚ መንግስታዊ ውሳኔ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስተፋን ሎቪን፡ ተመሓላሊፉ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስተፋን ሎቪን፡ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግሊጺ ካብ ዘመሓላለፎም መልእኽታት

• ኣብ በዓል ፋሲካ ዝግበሩ ዝነበሩ መገሻታት ንኸቋርጹ

• ኣብ ግዜ ሓደጋ ስለዘለና ሰባት ካብ ገዝኦም ንኸይወጹ

• እዚ ሕማም ንሽወደንን ህዝብን ኣብ ዓቢ ፈተነ ዘእተወ ኮይኑ፡ ሂወትና፡ ስራሕናን ጥዕናናን ኣብ ሓደጋ ኣሎ

• ኣብ ቀጻሊ ንዘጋጥሙና ኩነታት ድሉዋት ክንከውን ይግባእ

• ኣብዚ ግዜ’ዚ ብመንግስቲ ንዝወጹ መምርሒታት ዝጥሕስ ሰብ ዓቢ ሓላፍነት ክስከም እዩ ዝብሉ ነይሮም ብኻልእ ወገን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወላ’ኳ ምልባዕ ናይ ቫይረስ ክሮና ኣብ ስቶክሆሎም ልዕል ብዝበለ ደርጃ እንተሃለወ፡ እቲ ኣቐዲምና ምስ ብዝሒ ምትእኽኻብ ሰባት ኣመልኪትና ዝወሰድናውዮም ውሳኔታት ክሳብ ሕጂ ብሃገር ደረጃ ጽቡቕ ውጽኢት ሂቦምና ጸኒሖም።

እጂ ውን ነዚ ወጺኡ ዘሎ ውሳነ ብጥብቂ ከነተግብሮ ይግበኣና ክብል ዮሃን ካርልሰን፡ ሓላፊ ጉዳይ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። እዚ መምርሒ ንቤት ብልዕታትን ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝካየድሎም ቦታታትን ዘጠቓለለ ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጹ። ነዚ ሓድሽ ውሳነ ንምትግባር ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኣድላይ ምድላዋት ከምዝገበረ ሓላፊ ፖሊስ፡ ኣንደሽ ቶሪንበሪ፡ ሓቢሩ። ኣቐዲሙ ፍቓድ ተዋሂብዎም ዝጸንሑ ንጥፈታት ክቕጽሉ እኳ እንተኾኑ በዚ መምርሒ ተቐዶም ክሰርሑ ከምዝኾኑን ሕብረተሰብ ሽወደን ብሓፈሻ በዚ መምርሒ ተቐይዱ ክሰርሕ ምዃኑ እምንትኡ ብተወሳኺ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com