Friday , April 19 2024

ሽወደን፡ ንኻልኦት ሃገራት ዝወሃብ ክታበት ከምዘይብላ ገሊጻ

ሃገረ ሽወደን፡ ነተን ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ዘለዋ ሃገራት ዝወሃብ ተወሳኺ ክታበት ከምዘይብላ ብመንገዲ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሌና ሃለንግሪን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስተር ምዕባለን ሓገዝን፡ ፔር ኦልሶን ፍሪድህ፡ ምስ ዳገንስ ኢንዱስትሪ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ሽወደን፡ ዝያዳ ብልቃጥ ክታበት፡ ንካልኦት ሃገራት ክትህብ ተኽእሎታት ኣለዋ ክብል ምዝራቡ ይዝከር።

ሃገረ ሽወደን፡ ንዜጋታታ ብምልኦም ከይከተበት ንኻልእ ሃገር ዝወሃብ ክታበት ከምዘይብላ፡ ሃለንግሪን፡ ደጊማ ኣረጋጊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com