Wednesday , April 24 2024
Christine Olsson/TT

ሽወደን ምስተን ቀዳሞት 10 ሕጒሳት ሃገራት ተሰሪዓ።

ጸብጻብ ሓጎስ ፍታሕ ዘላቒ ምዕባለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተባህለ ውድብ ንሽወደን ምስተን ቀዳሞት 10 ሕጒሳት ሃገራት ሰሪዕዋ።

ቀዳመይቲ ዝወጸት ፊንላንድ ኮይና ብሩንዲ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ’ላ።

እዚ ተርታ ን 156 ሃገራት ከምእኒ ኣታዊ ነፍስወከፍ ዜጋ፡ ማሕበራዊ ድሕነት፡ መዋእል ዕድመ፡ ማሕበራዊ ነጻነት፡ ልግሲን ካብ ብልሽውና ነጻ ምዃንን ዝብሉ ረቛሒታት ብምምርማር እዩ ተዳልዩ።

ፊንላንድ ዓሚ ዝነበራ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ብምምሕያሽ ነታ ቀዳመይቲ ዝነበረት ኖርዌይ ቦትኣ ተረኪባታ’ላ።


Sergi Reboredo /TT

እተን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ተርታ ኣዝየን ሕጉሳት ሃገራት 2018 እዘን ዝስዕባ እየን።

ፊንላንድ ኖርዌይ ዴንማርክ ኣይስላንድ ስዊትዘርላንድ ኔዘርላንድስ ካናዳ ኒውዚላንድ ሽወደንን ኣውስትራልያን እየን። ኣመሪካ ዓሚ ካብ ዝነበራ 14 ናብ 18 ወሪዳ’ላ።

ብሪጣንያን ኢማራትን ብተኸታታሊ 19ን 20ን ተርታ ሒዘን ኣለዋ።

እዚ ተርታ ንመጀመርታ ግዜ ብ 2012 ዝወጸ ኮይኑ ውድባት ኣብ ህዝባዊ ርእይቶን መንግስታዊ ጸብጻባትን ብምምርኳስ እየን ዘዳልወኦ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com