Friday , March 29 2024
Julia Wall/AP/TT

ሽወደን ብርቱዕ ዝናብ ይሃርም ብምህላዉ ሓደጋ ባርዕ ጫካ ክጐድል እዩ ተባሂሉ!!

ኮሚሽን ሜትሮሎጂ ሽወደን በርቅን ንፋስን እተሓወሶ ዝናብ ይሃርም ምህላዉን ብ ጠቕላላ ልዕሊ 35 ሚሊሜትር ዝናብ ክሃርም ትጽቢት ምህላዉን ተገሊጹ። እዚ ማዕበል ዝናብ ሎም ንግሆ ኣብ Östersjön ዝጀመረ ኮይኑ ናብ Gotland ገጹ ይግስግስ ኣሎ ተባሂሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ሽወደን በዚ ማዕበል እተወራ ከተማታት ሸወደን ዛጊት Skåne, Blekinge,Gotland. Kronoberg,Gotland. Halland, Jönköping, Kalmar, Öland, Gotland እየን። እቲ ኤጀንሲ ኣብ ገለ ከባቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ጎደና፡ ፎኛቱራን ገለርያን ዕልቕልቕ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ’ሎ።

ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ዝህሉ ናይ ባርዕ ጫካ ብፍላይ ኣብ Södermanland, Stockholm, Västmanland, Uppsala and Gävleborg ልዑል እኳ እንተነበረ በዚ ዝናብ ምጒዳሉ እቲ ኮሚሽን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com