Saturday , April 20 2024

ሽወደን ተወሳኺ ሚእቲ ሚልዮን ክሮነር ንእስላም ሮሂንግያ ትምድብ።

መንግስቲ ሽወደን ካብ በርማ ንእተፈናቐሉ ሕዳጣን ስደተኛታት እስላም ሮሂንጋያ ዝውዕል ናይ ሚእቲ ሚልዮን ክሮነር መዲቡ።

እዚ ነቲ ንባንግላደሽ ዝወሃብ ሓገዝ ናብ 380 ሚልዮን ክሮነር ክብ ኣቢልዎ’ሎ።

እዚ ሓገዝ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኲነታት ኣብ ባንግላደሽ ዝርከቡ 700000 ስደተኛታት ሮሂንጋያ ኣስላም ህይወቶም ንምምሕያሽ ዝሕግዝ እዩ ብምባል መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ሓገዝ ብመንገዲ ውድብ ኣህጒራዊ ምትሕግጋዝ ልምዓት ሽወደን ኣቢሉ’ዩ ክመቓራሕ።

” ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ናብ ባንግላደሽ እተሰደዱ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ነዚኦም ናይ መግቢ፡ማይ:ጥዕናዊ ክንክንን ንህጻናት ድማ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽረኽቡ ምሕጋዝን ኣገዳሲ እዩ” ትብል ወኪል ሚኒስተር ኣህጒራዊ ምትሕግጋዝ ልምዓትን ክሊማን ኢዛቤል ሉፈን።

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ መረበቶም ክምለሱ እዮም ዝብል እምነት የብልናን። ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉን ነገራት ክንርኢ ይግባኣና። ብዙሕ ግዜ ክወስድ እዩ” ኢላ።

ብዘይካዚ መንግስቲ ንበርማ ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓ

መታት ናይ 250 ሚልዮን ክሮነር ሓገዝ ከገብረላ ወሲኑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com