Thursday , April 25 2024

ሽወደን ነታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን (ጤህራን) እተሓምሸሸት ነፋሪት ዩክሬን ኣመልኪታ ኣብ እትገብሮ መርመራ ምሉእ ፍቓድ ክወሃባ ሓቲታ።

ሽወደን ነታ ትማል ረቡዕ ጥቓ ከተማ ጤህራን እተሓምሸሸት ዋንነታ ናይ ሃገረ ዩክሬን ዝኾነት ነፋሪት ንምርማር ምሉእ ፍቓድ ዝሓተተት ካናዳ እታ ነፋሪት ብሚሳይል ኢራን ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ናይ ስለያ ሓበሬታ ንሽወደን ድሕሪ ምክፋላ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ መጥቃዕቲ ካብ ጠቕላላ ዝሞቱ 167 ተሳፈርቲ እቶም ብውሕዱ 10 ሽወደናውያን 63 ከኣ ካናዳውያንን ምንባሮም ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዲ ነዚ ኣመልኪቱ ሎሚ ሓሙስ ምስ መዘናኡ ስቲቨን ሉፊን ምዝርራቡን እታ ነፋሪት ብሚሳይል ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ዘመልክት ናይ ስለያ ሓበሬታ ከም ዘለዎን ምግላጹ ድማ ተፈሊጡ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ Sweden’s Foreign Minister Ann Linde ክልቲአን ሃገራት ምሉእ ፍቓድ ተዋሂብወን ንምኽንያት ምሕምሻሽ እዛ ነፋሪት ከጽንዓ ይግባእ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com