Saturday , April 20 2024
Jonas Ekströmer/TT

ሽወደን ናብ ህዝባዊ ዕግርግር ዝኽሰተሉ ኲነታት እናቐረበት ትመጽእ ኣላ ኢሉ ከም ዝኣምን ሓደ ተመራማሪ ገሊጹ።

Magnus Granberg ኣብ ዩኒቨርሲቲ Sundsvall ተመራማሪ ግርጭታት ሽቕለት እዩ።

ንሱ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ንምእዳም ዛዕባ ዝገበሩ ክትዓት ከምኡ’ውን ውሕስነት ሽቅለት ንምልዓል ዝተበጽሑ ፖለቲካዊ ስምምዓት ኣብ ሽወደን ብያታ ንዝጸንሐ ሳሕቲ ተርእዮ ሸብሮን ኣድማን ክቕይሩ ተኽእሎ ኣሎ ይብል።

“ኣብ ታሪኽ ኣብ ሽወደን ዝወሓደ መጠን ኣድማን ማሕበራዊ ግርጭትን ዝህልወሉ ምኽንያት ኣዝዩ ስጡም ናይ ምውጋይ ሓይሊ ማሕበራትን ህዝባዊ ውድባትን ብምህላወን እዩ,” ክብል Granberg ብሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ ምብሕጓጒ እዚ ናይ ምውጋይ ሓይሊ ነቲ ዝጸንሐ ምርግጋእ ብምምንዛዕ ንዝያዳ ህዝባዊ ናዕቢን ምንቅስቓስን ከቃልዓና እዩ ይብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com