Thursday , March 28 2024

“ሽወደን ናብ ኔቶ እትገብሮ ናይ ኣባልነት ሕቶ ዝውስን ዔርዶጋን ኮይኑ’ሎ”–ሓደ ክኢላ።

ረሰብ ጠይብ ዒርዶጋን ኣብ ምርጫ ቱርክ ምዕዋቱ፥ ንሽወደን ዘርብሕ ምዕባለ ምዃኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ዳይረክተር
ትካል መጽናዕቲታት ቱርክ ፖል ለቪን ገሊጹ። ፕረሲደንት ቱርክ ረሰፕ ጠይብ ዔርዶጋን ካልኣይ እብረ ምርጫ ቱርክ ተዓዊቱ’ሎ፥ በዚ
ድማ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ። ልፍንቲ ሰልፊታት ዔርዶጋን ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ መንበር ስለዘለዎ፡
ተቓዋሚ ሰልፊ ተዓዊቱ እንተዝነብር፥ ሽወደን ኣባል ኔቶ ኽትከውን ዝብል ሕቶ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ምውራድ ኣሸጋሪ ምኾነ።
"ሕጂ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ዔርዶጋን እንታይ ይሓስብ ኣሎ ዝብል እዩ” ክብል ለቪን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ ኢድ ዒርዶጋን
ምውዳቑ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com