Thursday , March 28 2024
Foto: AP och Pontus Lundahl/TT

ሽወደን ንኢራቕ ክትህቦ ዝጸንሐት ስልጠና ኣቋሪጻ።

ሽወደን ወታሃደራዊ ሓይሊ ንምዕባይ ክትህቦ ዝጸንሐ ስልጠና ደዉ ክብል ከምዝወሰነት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሽወደን ሓቢሩ።

ምኽንያት ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ምሽምራር ኩነታት ጸጥታ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብዘይካ እዚ ሃገራት ጀርመንን ሆላንድን እዉን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲደን ከምዘሎዋ ተፈሊጡ።

ኣቕድም ኣቢሉ እዉን መንግስቲ ኣሜሪካ ብዘይካ ኣገደስቲ ሰራሕተኛታት መብዛሕቲኦም እባላት ኤምባሲ ኣሚሪካ ኣብ ዒራቕ ካብ ሃገራ ከምዝስሓበት ተመልኪቱ።

ብመሰረት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ኣብ መንጎ ዒራቕን ኢራንን ዝተፈጥረ ሓድሽ ወጥሪ ዝፈጠሮ ጸጥታዊ ስግእት ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሚንስትሪ ምክልኻል ሽወደን ኣብ ዒራቕ ልዕሊ ሓምሳ ወታሃደራዊ መኮንናት ከምዘሎዎን በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ጽጥታ ዕማማት ስልጠና ንግዚኡ ደዉ ክብል ተጌሩ ከምዘሎን ሓቢሮም፣ ይኹን እምበር እንታይ ዓይነት ጸጥታዊ ስግኣት ተኸሲቱ ምሕላዉ ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com