Thursday , March 28 2024
Leif R Jansson TT

ሽወደን ንኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይና ንመርመራ ትጽውዕ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ንኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይናAnna Libdsteadt ንጒዳይ Gui Minhai ከመይ ከም ዘሓዘቶ ንምምርማር ጸዊዓታ’ላ።

ኣብ ቤትማሕቡስ ቻይና እትርከብ Gui Minhai ካብ ቻይናን ሽወደንን እትውለድ ኣሕታሚት እያ።

ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ Ann ኣብቲ ጒዳይ ጽቡቕ ምውሳእ ኣየርኣየትን ጥራይ ዘይኮነ ብዘይ ኣፍልጦ እቲ ሚኒስትሪ እዮም እቶም ርክባት ዝካየዱ ኔሮም ዝብል ወቐሳ ቀሪቡላ’ሎ።

Lindsteadt ኣብ መንጐ ጓልእዛ ኣሕታሚት ሚንሃይን ገለ ሰብ ቢዝነስን ሓያሎ መዓልታት ዝቐጸሉ ርክባት ኣብ ሆቴል ስቶክሆልም ክካየዱ ጌራ ዝብል ነቐፌታ እዩ ዝወርዳ ዘሎ።

ጓል እዛ ኣሕታሚት ኣንጀላ ጊ ብመሰረት እዞም ኣኼባታት ኣቦኣ ክልቀቕ ዝግብኦ እኳ እንተንበረ ኣፋ ክትሕዝን ብዛዕባ ኣቦኣ ኣቓልቦ ምስሓብ ከተቋርጾን ምፍርራህ ከም ዝወረዳ እያ ትዛረብ።

ኣምባሳደርና ካብ ኣገባብ ወጻኢ ተንቀሳቒሳ እንተኾይና ክንምርምሮ ኢና ኢሉ’ሎ።

እታ ኣምባሳደር ናብ ሽወደን ከም ዝኣተወትን ዝተፈላለየ ጽንክር ዝበለ መርመራ ምጅማሩን ይግለጽ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com