Friday , April 19 2024
Malin Hoelstad/TT

ሽወደን ንኽልተ ኣባላት ኣከራኻሪ ሩስያዊ ስነጥበባዊ ጒጅለ ፍቓድ መንበሪ ሂባ።

ቤትፍርዲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ንኽልተ ኣባላት ኣከራኻሪ ሩስያዊ ስነጥበባዊ ጒጅለ ብቦርድ ኢሚግሬሽን ድሕሪ ምንጻጎም ፍቓድ መንበሪ ክወሃቡ ምውሳኑ ተፈሊጡ።

እዚ ጒጅለ ባህሊ መደበሩ ኣብ ሞስኮ ዝገበረ ናይ ደቀንስትዮ ሙዚቃዊ ባንድ ኮይኑ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገሮም ኣብ ምሕድግ ዝበሉ ከባቢታት ሩስያ ምርኢት ዘቕርቡ ምንባሮም ይብገረሎም።

ኣብ ወርሓ ለካቲት 2012 ኣርባዕተ ኣባላት እዚ ጒጅለ ንስርዓት ምሕደራ ፑቲን ዝቃወም ምርኢት ኣብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ሞስኮ ኣቕሪቦም ኔሮም።

ድሕሪዚ ኣብ ወርሓ መጋቢት ናይታ ዓመት ሰለስተ ካብ ኣባላቶም ብኣባላት ጸጥታ ሩስያ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ውዒሎም። ንክልተ ዓመት ማእሰርቲ ከኣ ተፈሪዶም።

“ደቅና ባህ ይበሎም። ኣብ ውሑስ ቦታ ክዓብዩ እዮም” ክትብል ሓንቲ ካብዞም ኣባላት ሓጎሳ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com