Friday , April 19 2024
Minister for Foreign Affairs Ann Linde Foto: Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

ሽወደን ንዩክሬይን ናይ 50 ሚልዮን ክሩነር ሓገዝ ሂባ

ብሮቡዕ፡ ነቲ ብሸነኽ ምብራቕን ደቡብን ናይታ ሃገር ክበጽሕ ዝኽእል ወራር ናይ ሩስያ ንምብዳህ፡ ምሕዝነታዊ ገንዘባዊ ደገፍ ንዩክሬን (Partnership Fund for Resilient Ukraine) ዝብል ሓድሽ መደብ ከምዝተመስረተ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ መደብ፡ ንመጀመርታ ግዜ ዝተቓለሐ ብራድዮ ሽወደን ኮይኑ፡ ኣብ ጎኒ እዚ መደብ፡ ሽወደን ብሓንሳብ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ስዊዘርላንድን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ጠጠው ከምእትብል ተፈሊጡ።
ሸወደን ነዚ መደብ ኣብ ዝመጹ ተኸታተልቲ 3 ዓመታት ዝኽፈል ናይ 50 ሚልዮን ክሮኖር ሓገዝ ከምዝገበረት እቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ንዩክሬይን ኣብዚ ዘላትሉ እዋን ዘይተረጋገኣ ኩነታት፡ ዘየወላውል ምሕዝነትን ኩለንተናዊ ሓገዝን ምግባር ትቅጽለሉ ኣላ” ክትብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣን ሊንደ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።
ኣብ ትዊተር ኣብ ዝተለጠፈ መልእኽቲ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዩክሬይን፡ ድሚትሮ ኩሌባ፡ ነቲ መንግስቲ ሽወደን ዝገበሮ ሓገዝ ምስጋን ብምቕራብ እቲ ገንዘብ “ንናይ ዩክሬይን ምርግጋእ ኣገዳሲ ኣበርክቶ” እዩ ክብል ገሊጹ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com