Friday , March 29 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ሽወደን: ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስለያዊ ንጥፈት ዘካየደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ሰብመዚ ጸጥታ ሽወደን ብረቡዕ ካብ ሓንቲ ስማ ዘይተነግረ ሃገር እተላእከ ሰላይ ኣብ ስደተኛታት ናይ ስለያ ንጥፈት እናካየደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ጽባሕ ምትሓዝ ጥርጡር ሰላይ ሩስያ ኣብ ሽወደን እዩ።

እዚ ሩስያዊ ሰብ ናይ ዲፕሎማሲ ወረቐት መንነት ሒዙ እዩ ኣብ ስለያዊ ንጥፈት ተዋፊሩ ኔሩ ክብል ወኪል ስለያ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።

ብመሰረት ነቲ ዜና ዝዘርግሐ ጋዜጣ DN እዚ ሓድሽ ጥርጡር ረቡዕ መዓልቲ ከባቢ ሰዓት 11፡50 ቅድሚ ቀትሪ እዩ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ቅዒሉ።

ወኪል ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ሰብኣይ ብምክትታል ኣኽባር ሕጊ እተሰነየ መርመራ ይካየደሉ ምህላዉን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ድማ ኣብ ትሕቲ ክትትል ምጽንሑን ገሊጻ።

ብመሰረት ጋዜጣ DN እቲ ሰላይ ካብ ሓንቲ ስማ ዛጊት ዘይተጠቕሰ ሃገር ኮይኑ ዕቚባ ንዝሓተቱን ፖሊሲ ዝመጹላ ሃገር ንዝነቕፉን ስደተኛታት ክከታተል ምጽንሑን ኣብሪሆም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com