Thursday , April 25 2024

ሽወደን ኣብ መዳይ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ዓቢ ባጀት ትስልዕ!!

ኣገልግሎት ዜና ተተ ከምዝሓበሮ መንግስቲ ሽወደን ኣስታት 40 ሚልዮን ክሮነር ን ምውሓስ  ጹሩይ ዝስተ ማይ ዝውዕል ባጀት ምስልዑ ኣፍሊጡ። እዚ በጀት ቀዳምነት ነታ ዝሓልፈ ዓመት ብሰንኪ ዋዒ ኩነታት ኣየር ብዋሕዲ ማይ ዝተሸገር ምምሕድራት ዝውዕል ኮይኑ ብካልኣይ ደረጃ ድማ ን መጻኢ ዋሕዲ ዝስተ ጹርይ ማይ ዘንጸላለወን ምምሕድራት ክወሃብ እዩ።

ብቀዳምይ ደረጃ ዝተስርዓ ምምሕዳራት እዘን ዝስዕባ እየን፣ በልኪንየ፣ ጎትላንድ፣ ሃላንድ፣ ዮንሾፒንግ፣ ካልማር፣ ክሮንበርይ፣ ስኮነ፣ ስቶኮልም፣ ሶደርማልምላንድ፣ ኡፕሳላ፣ ቬስትማንላን ኦረብሮን ኦስተርጎትላንድ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com