Friday , March 29 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ሽወደን ኣብ ገበናት ግብረሸበራ እገዳታት ከተትርር እያ ተባሂሉ።

መንግስቲ፡ ሓገግቲ ኣካላት ሽወደን ብዛዕባ ግብረሽበራ ዝምልከት ዘለዎም ሕጋዊ ትሕዝቶ ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣብዚ ሰሙን ርእይቶ ክህበሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብመሰረት መራኸቢ ብዙሓን ሽወደን እዚ መርመራ ሰለስተ ዝተፈላለያ ሕጋጋት ናብ ሓደ ሕጊ ጸረ-ግብረሽበራ ከወሃህድ እዩ።

እዚ መርመራ ኣብ ለካቲት 2017 እዩ ጀሚሩ። ቅድሚዚ ዓመት ሕጊ ግብረሽበራ ሽወደን “ሕንክርክር ዝበለን ዘይትግበርን እዩ” ዝብል ተሪር ተቓውሞታት ብምብዝሑ እዩ መንግስቲ ናብዚ መርመራ ክኣቱ ተቐሲቡ።

ሓላፊ መርማሪት ሽማግለ Martin Rodan ነቲ ህሉው ሕጊ ናብ ውሁድን ስሉጥን ተተግባሪን ሕጊ ንምቕያር ኢና ንሰርሕ ዘሎና ኢሉ።

ሽወደን ኣብ ፈለማ 2000 እያ ጸረግብረሽበራዊ ሕጋ ኣበጊሳቶ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት እዚ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ግብረሽበራውያን ናይ ጒዕዞ እገዳ ከም ዘንበረ ገሊጹ ኔሩ።

እንተኾነ ግና ናብ ግብረ ሽበራውያን ጒጅለታት ዝተሳተፉ ሰባት እኒመን እዮም ምፍላይ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነሉ ኲነታት እዚ ሕጊ ተግባራዊ ዘይኽወን ምስ ምዃኑ ተሪር ነቐፌታ ክዘንቦ ጸኒሑ’ሎ።

ሕጂ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ምወላን ቀጥታ ተሳትፎን ገብረ ሽበራ ዘካይዱ ሰባት ጽንክር ዝበለ እገዳታት ንምግባር ዘለዎ ድሌትን ቈራጽነትን ኣርእዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com