Thursday , March 28 2024
Marcus Ericsson/TT

ሽወደን ኣብ ጉዳይ ብከላ ብርቱዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ዘድልያ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ሽወደን ምውጻእ በካሊ ጋዝ ኣብ 2045 ናብ ዜሮ ከተውርዶ እንተኾይና ብርቱዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ዘድልያ ካብ ኣገልግሎት ምዕቃብ ኣከባቢ ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ባይቶ ሽወደን ክሊማዊ ፖለቲካዊ ቅጥዕታት ምቕባሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኣረርባዕተ ዓመት ንባይቶ ውጥን ስራሕ ከቕርብ ግዴታ ኣለዎ።

ሎሚ ዓመት ድማ ካብተን ኣዚ ውጥን ዕማም ዝቐርበለን እያ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ክኢላ በዓልመዚ ኣገልግሎት ዕቀባ ኣከባቢ እዚ ውጥን እንታይ ከጠቓልል ከም ዝግብኦ ምኽሪ ሂቡ’ሎ።

እቲ ኣብ ላዕሊ ኣተቐመጠ መማረጺ ንከሰል ብሓይሊ ኤለትሪክ ምትካእ ዝብል ኣዩ። ግና ናብዚ ንምብጻሕ ከሰል ምኽዛን ኣድላዪ ስጒምቲ እዩ።

ሓላፊ ዕቀባ ከባቢ Stefan Nystrom እቲ ፖለቲካዊ ድሌት ኣብ ቦትኡ እኳ እንተሎ ብዙሕ ምስራሕ ከም ዘድሊ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com