Saturday , April 20 2024

ሽወደን ኣብ 2020 ን ጽልኢ ኣይሁድነት ዝዝቲ ዋዕላ ከተእንግድ እያ!!

ሽወደን ኣብ 2020 ኣብ ጽልኢ ኣይሁድነት ዝዝቲ ኣህጒራዊ ዋዕላ ከተእንግድ እያ። እዚ ዋዕላ ጥቅምቲ 27 ከምኡ’ውን 28 2020 ዝካየድ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስተፋን ሎቨን ብሰኑይ ሓቢሩ።

ንሱ ምስ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ጸረ ኣይሁድነት ኣብ ሽወደንን ዓለምን እናዓበየ ምምጽኡ ገሊጹ።

እዚ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ማልሞ እዩ ክካየድ።

እዚ ድማ ምስ ምጽንባል መበል 20 ዓመት ኣህጒራዊ ዋዕላን መበል 75 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ዝዛመድ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሎቨን ጸረ ኣይሁድነት ንኣይሁድ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ ንኹሉ ማሕበረሰባት ዝምርዝ ስምዒት እዩ ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com