Friday , April 19 2024
CLAUDIO BRESCIANI / TT

ሽወደን ኣንጻር ጾታዊ መጥቃዕቲ ቆልዑ ብምስራሕ ካብ ዓለም ብኻልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ።

ሰሙናዊ ብሪጣንያዊ ጋዜጣ ዘ ኤኮኖሚስት ኣንጻር ጾታዊ መጥቃዕቲ ቆልዑ ካብ ዝቃለሳ 40 ሃገራት ንሽወደን ካልኣይ ደረጃ ሂብዋ’ሎ።

ቀዳመይቲ እተሰርዐት ብሪጣንያ ክትከውን እንከላ ካናዳ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ’ላ።

እታ መጽሄት ምዝመዛ ቆልዑ ንምውጋድ ምዕቡል ስትራቴጂ ዝኽተላ ሃገራት ብምዝርዛር ካናዳን ሽወደንን ንቆልዑ ምቹእ ኣከባቢን ናይ ሕጊ ዑቕባን ብምቕራበን ኣብ ቅድሚት ከም ዝሰርዓተን ኣፍሊጣ።

እዚ ደረጃ ብመዋልነት ፓኪስታን ግብጽን ሞዛምቢክን እዩ ተኻዪዱ። እዘን ሃገራት ሃገራት ምዝመዛ ቆልዑ ንምውጋድ እንታይ ኣገባብ ስዒበን ብዝብል ሓድሽ ረቛሒ እየን ተመዲበን።

እንተኾነ ግና እቲ ድሕሪዚ ምደባ ዘሎ መጽናዕቲ ዓቐን ናይቲ ሽግር ንምርዳእ ዝሕግዝ ዝርዝር ጭብጢ ኣይቀረበን።

እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ዝበዝሑ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣወዳት ምዃኖም የርኢ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com