Friday , March 29 2024

ሽወደን ካብ ኤውሮጳ እቲ ዝተሓተ ቍጽሪ ድኻታት ኣሎዋ

ኣብ ሽወደን ሓድ ካብ ሚእቲ እዮም ብድኽነት ዚነብሩ – እዚ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ዝተሓተ እዩ።

ኣብ 2017 ኣብ ሽወደን 1.1 ሚእታዊት ተቐማጦ ኣብ ድኽነት ይነብሩ ነይሮም፡ ማለት 100 000 ሰባት።

እዚ ምስ ናይ ኤውሮጳ ኪወዳደር ከሎ ኣብ ኤውሮጳ ብገምጋም 7 ሚእታዊት፡ ኣብ ቡልጋርያ፡ እታ ዝበዝሐ ቍጽሪ ድኻታት ዘለዋ፡ 30 ሚእታዊት እዩ።

ኣብ ሽወደን እቲ ቍጽሪ ከይተለወጠ ጸኒሑ፡ ደሓር ግን ካብ 2008 ጀሚሩ እናጎደለ ከይዱ። ኣብ 2008 መጠኑ 1.8 እዩ ነይሩ።

እቶም ዝበዝሑ ድኻታት፡ እቶም ስራሕ ዘይብሎም እዮም፡ ማለት 8 ሚእታዊት፡ ዝተረፉ ድማ ኣብ ወጻኢ እተወልዱ እዮም፡ መጠኖም ድማ 3 ሚእታዊት እዩ።

ከቢድ ማተርያላዊ ድኽነት ማለት፡ ንገለ ዘይተሓስበ ወጻኢታት ምሽፋን ዘይምኽኣል፡ ኣብ ገዛኻ እኹል መሞቒ ዘይምህላው፡ ወይ ድማ ዕዳኻ ኣብቲ ግቡእ ግዜ ክትከፍል ዘይምኽኣል ማለት እዩ።

ካብ 2008 ክሳዕ 2016 ናይ ሃገር ሽወደን ንድኽነት ምቅላዕ ኩነታት ካብ 13. 5 ናብ 16. 2 ደዪቡ ነይሩ።

ኣብ 2017 እቲ ቍጽሪ ናብ 15.8 ወሪዱ፡ ግን እዚ ቍጽሪዚ ርጉጽ ኣይኮነን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com