Thursday , March 28 2024

ሽወደን ዘለዋ መርገጺ ኣብ ጉዳይ እስራኤል-ፍልስጤም ኣነጺራ!!


ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ቅልውላው እስራኤል-ፍልስጤም ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዝብል መትከል ከም እትድግፍ ኣፍሊጡ። ኣብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ምክትል ዳይረክተር ጀነራል ማእከላይ ምብራቕ ኣምባሳደር  ኣና ደስሙር እያ ነዚ ዝገለጸት። ንሳ መርገጺ ሽወደን ካብ መርገጺ ኣውሮጳዊ ሕብረት ከም ዝቕዳሕ ብምምልካት ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ዝሓይሽ እዚ መርገጺ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ’ውን ኣስሚራትሉ። ንሳ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጒዳያት ፍልስጤም ሪያድ ኣልማሊኪ ኣብ ራማላህ ድሕሪ ዝገበረቶ ርክብ መንግስታ ንፍልስጤም ዝገብሮ ሓገዛት ብበይናዊ ይዂን ጽፍሒ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣቢላ ከም እትቕጽለሉ ኣፍሊጣ። ሚኒስተር ወጻኢ ጒዳያት ፍልስጤም ብወገኑ ሽወደን ንፍልስጤም እትገብሮ ሓገዝ ዘለዎ ናእዳን ምስጋናን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com