Friday , April 26 2024
(Johanna Geron/Pool via AP)

ሽወደን ፊናልንድን ቱርኪን ኣብ ሰፋሕቲ ጒዳያት ምስምምዐን ተገሊጹ።

ሽወደን ፊንላንድን ቱርኪን ኣብቲ ኣብ ማድሪድ ስፔይን ዝተኻየደ ዋዕላ ኔቶ ስምምዕ ብምኽታመን፡ እዘን ክልተ ሃገራት ኖርዲክ ናብ ኔቶ ዘእተወኦ ናይ ኣባልነት ሕቶ ብስሉጥ ይኸይድ ምህላዉ ተገሊጹ። እዘን ክልተ ሃገራት፡ ቱርክ ግብረሽበራውያን ኢላ ንዝበየነቶም ውድባት ይድግፋ እየን ብዝብል፡ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ መሰላ ተጠቒማ እዘን ሃገራት ኣባላት ኔቶ ከይኮና ዓጊታ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሰለስቲአን ሃገራት ዝኸተማኦ ናይ ምርድዳእ ሰነድ፡ ንጒዳያት ግብረሽበራውያን ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ትምህርቲን ሓዊስካ፡ ሰፊሕ ጒዳያት ከም ዘጠቓልል፡ ወኪል ሬድዮ ሽወደን  ኣንድረሽ ሊልየህደን ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com