Friday , March 29 2024

ሽጋራ ምትካኽ


ኣብ ትኪ ናይ ሽጋራ ብዙሓት መርዛማት ባእታታት ኣለዉ። ሽጋራ ምትካኽ ዝተፈላለዩ መጕዳእትን ሕማማትን ከስዕበልካ ይኽእል እዩ። ወልፊ ናይ ሽጋራ ምትካኽ ክሕዘካ ይኽእል እዩ፡ ግን ምቍራጹ ይከኣል እዩ።

ሽጋራታት ትሕዝቶ ናይ ዝነቐጸ ኣቝጽልቲ ዝኾነ ትምባኾ ኣለዎም። ኣብ ትምባኾ እቲ መርዛም ባእታ ኒኮቲን ኣሎ። ከምኡ’ውን ኣብ ሽጋራታት ብዙሓት ካልኦት መርዛማት ባእታታት ኣለዉ።

ሽጋራ ምትካኽ መጕዳእትን ሕማማትን ከም መንሽሮ ከስዕብ ይኽእል።

ከምኡ’ውን ትምባኾ ኣብ ስንቀን፡ ሽጋራ፡ ፒፓን ሺሻን ኣሎ። ኤለክትሮናዊ ሽጋራ መብዛሕትኡ ግዜ ትሕዝቶ ናይ ኒኮቲን ኣለዎም።

ፍርያት ናይ ትምባኾ ወይ ኒኮቲን ዘለዎም ንትሕቲ 18 ዓመት ሰባት ክሽየጡ ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ሕጊ ንመንእሰያት ንኽከላኸለሎም እዩ ዘሎ።

ሰብ ስለምንታይ ሽጋራ የትክኽ?
ሓደ ሓደ ሰባት ጥዑም ኢዩ ወይ ናይ ደስደስ እዩ ወይ ናይ ዘይግድሶም ሰባት እዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ሽጋራ የትክኹ። ሓደ ሓደ ሰባት ንኣብነት ክሻቐሉ ወይ ክጭነቑ ከለዉ ህድኣት ምእንቲ ክስምዖም ኢሎም ሽጋራ የትክኹ። ግን ብሓቂ ሽጋራ ብምትካኽ ኣይትሃድእን ኢኻ መሊስካ ድኣ ብዝያዳ ትጭነቕ እምበር። ካልኦት ዝሓሹ ትሃድኣሎምን ጽቡቕ ከም ዝስምዓካ ዝገብሩን ኣገባባት ኣለዉ።

ንስኻ ምናልባት ንምፍላጡ ህንጡይ ስለ ዝኾንካ ምትካኽ ሽጋራ ክትፍትን ትደሊ ትኸውን። ምናልባት ዓቢን ንብሱ ዝኸኣለን ሰብ ንኽትመስል ሽጋራ ምትካኽ ትደሊ ትኸውን። ወይ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ስለ ዝገብርዎ ሽጋራ ተትክኽ ትኸውን።

ዳርጋ ዝኾነ ሰብ ንመጀመርታ ግዜ ከትክኹ ከልዉ ጥዑም ይጥዕም ዝብል የለን። ዕግርግር ወይ ጽርውሩው ክብለካ ይኽእል እዩ።

ሽጋራ ምትካኽ ወልፊ ከትሕዘካ ይኽእል እዩ
ሽጋራ ምትካኽ ብቐሊሉ ወልፊ ከትሕዘካ ይኽእል እዩ። ወልፊ፡ ኣካላት ገለ ነገር ምርካብ ይለምድን እንደገና ይደልዮን ማለት እዩ። ሽዑ ዘይምትካኽካ ከቢድ ኾይኑ ይስምዓካ።

ሽጋራ ምትካኽ ንጥዕናኻ ሕማቕ እዩ
ሽጋራ ምትካኽ ምስ ጀመርካ ዳርጋ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣብ ኣካላትካ ሓደ ሓደ ነገራት ከተስተብህል ኢኻ።

¤ኣስናንካ ብጫ ይኾኑ።
¤ብዝያዳ ትስዕል።
¤ዝያዳ ፈጸጋ ይወጹኻ።
¤ብቕዓት ኣካላትካ ይሓምቕ።
¤ኣብ ጐረሮኻ ቃንዛ ይገብረልካ ወይ ብዙሕ ግዜ ትሓምም።
¤ጾታዊ ስሚዒትካ/ኪ ክለዓል ከሎ መትሎ ክወትር ወይ ርሕምኺ ክጥልቂ ትሽገር/ሪ።
¤ሽጋራ ምትካኽ መጕዳእትታትን ሕማማትን ከስዕብ ይኽእል
¤ሽጋራ ከተትክኽ ከለኻ ንኣብነት ናይ ልብን ሳንቡእን ሕማም ከተጥሪ እቲ ተኽእሎ ዝዓበየ እዩ። ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም
¤ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ካብቲ እንተ ዘየትክኹ ነይሮም ክሞትሉ ዝግብኦም ግዜ ኣቐዲሞም ይሞቱ።

ብዙሓት ሰባት ሽጋራ ምትካኽ ሓደገኛ ሙኳኑ ይፈልጡ እዮም፡ ምትካኽ ግን ይቕጽሉ። ንስኻ ምናልባት ንዓይ ዝኾነ ሕማም ኣይክሕዘንን ኢዩ ወይ ኣብ ቀረባ ግዜ ምትካኽ ከቋርጽ እየ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ነፍሰጾር እንተ ኴንኪ ሽጋራ ኣይተትክኺ
ነፍሰጾር ከለኺ ሽጋራ ተትክኺ እንተ ኾንኪ እቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ቈልዓ መርዛማት ባእታታት ካብ’ቶም ሽጋራታት ናብ ነብሱ ይኣትዉ እዮም። እቲ ቈልዓ ብኸቢድ ክጕዳእ፡ ቅድሚ ግዜ ክውለድ ወይ ኣብ ማህጸን ክመውት ሓደጋ ኣሎ። ንብምልኡ ግዜ ጥንሲ ይምልክት። ክትጠንሲ መዲብኪ እንተ ኣለኺ ዄንኪ ሽጋራ ምትካኽ ኣቋርጺ።

ኣብ ጥቓ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ምህላው እውን ጐዳኢ እዩ
ኣብ ጥቓ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ንኣብነት ኣብ ሓደ ክፍሊ እንተ ኣሊካ፡ ናብ ነብስኻ መርዛም ነገራት ይኣቱ። ልኡም ኣትካኺ ይበሃል (Passiv rökning)። እዚ ልክዕ ባዕልኻ ከም ተትክኽ ዘለኻ መጕዳእትታትን ሕማማትን ከስዕብ ይኽእል።

ቈልዑ ብዝያዳ ንትኪ ተኣፈፍቲ እዮም። ስለዚ ኣብ ጥቓ ቈልዑ ከተትክኽ የብልካን።

ኣብ ቤት ምግቢ፡ እንዳ ቡን፡ ናይ ስራሕ ቦታታት፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ጐልጎል፡ ኣብ ደገ ሆስፒታልን ብዙሓት ካልኦት ቦታታትን ሽጋራ ምትካኽ ክልኩል እዩ።

ምንጪ: Youmo


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com