Friday , April 19 2024
The Riksdag has decided that discarded cigarette butts should be able to give a fine. (AP Photo/Mark Lennihan, File)

ሽጋራ ኣብ ጎደናታት ምድርባይ፡ ዘቕጽዕ እዩ

እቶም ኣብ ጎደናታት፡ ተረፍ ሽጋራን ካልእ ዓይነት ጓሓፍን ዝድርብዩ ሰባት፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ዝብል ብመንግስቲ ንዝቐረበ እማመ፡ ብባይቶ ሽወደን ተቐባልነት ረኺቡ ከምዘሎን ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ከም በዓል ተረፍ ሽጋራ፡ ናይ ማስቲካ ወረቐትን ናይ ካራሜላ መሸፈንን ዝኣመሰሉ ዓይነት ጓሓፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ብውልቀ ሰባት ዝድርበዩ ኮይኖም፡ ንመቕጻዕቲ ክቃልዑ ምዃኖም ተገሊጹ።

እቶም ተረፍ ሽጋራን ካልእ ዓይነት ጓሓፍን ዝድርብዩ ሰባት፡ ዝብየነሎም ገንዘባዊ መቕጻዕቲ፡ ብኣባላት ፖሊስ ዘይኮነ፡ ብሓለውቲ ጸጥታ ክፍጸም ኣለዎ ክብል ሰልፊ ሞደራትና ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com