Friday , April 19 2024
Foto: Magnus Hjalmarson Neideman / SvD / TT / Kod: 10078 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) och Expressen **

ሽግር ኣባይቲ ሽወደን ሕጂ’ውን ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ።

ልዕዒ ክልተ ሲሶ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝለወን፡ ብፍላይ ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ኣባይቲ ንምርካብ ከም ዝሽገሩ፡ ሃገራዊ ቦርድ ኣባይቲ ውጥንን ህንጻን ሽወደን ኣብ ቀረባ ኣዋን ዘሳለጦ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብ ቦርድ ምምሕዳር Västra Götaland ሰራሕተኛ ክፍሊ ኣሃዱ ስደተኛታትን ምውህሃድን፡ ከምኡ’ውን ኣካያዲት ናይቲ ኣብ ምድላይ ኣባይቲ ምኽሪ ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነት፡ ፒያ ሰቨሪንሰን ቃለ ምሐትት ኣካዪዳ ኔራ።

ንሳ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ  “ኣብ ሽወደን ኣባይቲ ምርካብ ኣሸጋሪ እዩ፡ ግና ብግልኻ እታጽኣሉ ሓላፍነት እውን እዩ ” ኢላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com