Saturday , April 20 2024

ቀሊል ኣገባብ ህይወት + ፍቕሪ + ትሕትና = ዓንዲ ብልጽግና (4)

ቀሊል ኣገባብ ህይወት ምኽታል

ክትዕወት እንተደሊኻ ብቐሊል ኣገባብ ውጽኢት ናይ ምርካብ ክእለት ከተማዕብል ኣለካ። ኣብ ሓደ ውሁብ ኩነት ዘድልየካን ዘየድልየካን ፈሊኻ ናይ ምፍላጥ ጥበብ ክህልወካ ይግባእ።  

ንኣብነት ዘድሊን ዘየድሊን ጽዕነት ዝተጻዕነት ጃልባ ሒዞም ኣብ ባሕሪ ዝጓዓዙ ባሕረኛታት እቲ ተወሳኺ ጽዕነት ኣብ ጉዕዞኦም ኣገዳሲ እንተዘይኰይኑ ወይ ንሓደጋ ዘቃልዖም ኰይኑ እንተተሰሚዕዎም ናብ ባሕሪ ይድርብይዎ። ስለዚ ቀሊል ወይ ዘይተሓላለኸ ኣገባብ ህይወት ምኽታል ማለት ዘድልየካ ጸጋታት ጥራይ ሒዝካ ተልእኾ ህይወትካ ብስሉጥነት ምፍጻም ማለት እዩ።

ንዕማማትካ ብቐሊል ኣገባብ ምስልሳል እንተተማሂርካ ጸጋታትካ ክትዕቅብን ካብ ዘየድሊ ጻዕሪ ክትድሕንን የኽእለካ። ቀሊል ኣገባብ ምኽታል ብዙሕ ሕልኽላኻት ህይወት ስለዘወግድ ረጊእካ ብዛዕባ ዕላማታትካ ንኽትሓስብ ዕድል ይህበካ።

ቀሊል ኣገባብ ህይወት ካብ ዘየድሊ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ፋይናንሳውን ሃልኪ ኣድሒኑ ጥዑይ ህይወት ከም ዝህልወካ’ውን ይገብር።

ፍቕሪ

ልቡ ብፍቕሪ ዝተባሕተ ሰብ ኣቀራርባኡ’ውን ብፍቕሪ ስለዝድረኽ ዓይንኻ ትደፈን ዝብሎ የለን። ፈቃር ብምዃኑ ኣብ ሰባት ዝህልዎ ተቐባልነት ይዓቢ፡ ካብ ሰባት ዘይተጸበዮ ሓገዝ ይረክብ፡ ክብሪን ኣድናቖትን ይጓናጸፍ፡ ዕግበት ከኣ ይስመዖ።

ምትእስሳር ፍቕሪን ብልጽግናን ኣጸቢቑ ክርድኣና እንተደሊና ነቲ ፍቕሪ ዝብል ቃል ካብቲ ብልሙድ ኣዘራርባ እንፈልጦ ትርጉሙ ወጻኢ ኣስፍሕ ኣቢልና ንርኣዮ። ነብስኻ ምፍቃር ፍቕሪ’ዩ። እምነትካ ምፍቃር ፍቕሪ’ዩ። ስራሕካ ምፍቃር ፍቕሪ’ዩ። ፈለጥትኻ ምፍቃር ፍቕሪ’ዩ። ነቶም ንኽትብልጽግ ዝሕግዙኻን ካብ ጐደና ብልጽግና ዝኣልዩኻን ሰባት ብማዕረ ምፍቃር’ውን ከምኡ።

ጻዕሪን ሓርኮትኮትን ወዲ ሰብ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ዕውት ህይወት ምምራሕ እዩ። ዕውት ህይወት ምምራሕ ግን ናይ መጀመርታን መወዳእታን ዕላማ ህይወት ክኸውን የብሉን። ካብ ፈለጥትኻ፡ መቕርብካን መሓዙትካን ነጺሉ ኣብ ደሴት ጽምዋ ዘንብረካን ካብ ሰባት ፍቕሪ ዘይትኸስበሉን ዕውት ህይወት ኩሉሳዕ ጸገማት ኣለዎ።

ብኣቋራጭ ብልጽግና ንምርካብ ክትብል ኣብ ዝምድናታትካ ስንብራት ዝገድፍ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ምውሳድ ሳዕቤን ኣለዎ። ሰባት ሓንኲልካ እተረጋግጾ ዕውት ህይወት ውሕስነት የብሉን። ወድሰብ ማሕበራዊ እንስሳ ስለዝኾነ ምስ ሰብ’ዩ ዝነብር። ሰባት እዮም ኣብ ጽቡቑን ሕማቑን ዝካፈሉ። ምስ ሰብካ ኴንካ ዘይትጽንብሎ ዓወት ከኣ ነባርነት የብሉን።  

ትሕትና

ትሕትና፣ ሓደ ካብቶም ንኽትብልጽግ ወሳኒ ተራ ዘለዎም ረቛሒታት እዩ። ዓንኬል ዝምድናታት ኣብ ምስፋሕ ሓጋዚ ብምዃኑ ድማ ዕውት ህይወት ንምምስራት ዘበርክቶ ግደ ዓቢ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ መሳልል ብልጽግና ክድይቡ ዝደልዩ ሰባት ንትሕትና ከም ሓደ ካብ ዕጥቅታቶም ገይሮም ከም ባህርይ ይላበስዎ።

ንትሕትና ሕላገቱ ገይሩ ብልጽግና ዝተጎናጸፈ ሰብ ዕላማታቱ ምስ ተግበረ ትሕትናኡ ኣጥፊኡ ካብ ክውንነት ክወጽእ ከሎ ዓገብ ዘብል’ዩ። እዚ ባህርይ’ዚ ኣብ ብዙሓት ዕውታት ሰባት ዝንጸባረቕ ናይ ሓባር ጸገም እዩ።

ብርእይቶ ሰባት ምብጫዉ፡ ብብድዐ ሰኺርካ ሓድሽ ፍልጠት ክትቀስም ቅሩብ ዘይምዃን፥ ክትብልጽግ ንዝሓገዙኻ ሰባትን ኣጋጣሚታትን ምንእኣስ፥ ኣብ ክንዲ ንብልጽግናኻ መምሃሪ ካልኦት ጌርካ ምንጪ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ትገብሮ ሰባት ኣብ ቅድሜኻ ንነብሶም ኣድቂቖም ኽርእይዋ ምድላይ…ወ.ዘ.ተ ገለ ካብቶም ኣብቶም ትሕትና ዝጐድሎም ዕውታት ሰባት ዝረኣዩ ናይ ድሕረ-ብልጽግና (Post-Prosperity) ባህርያት እዮም።

ትሕትና ከምቲ ኣብ ሓደ ደረጃ ብልጽግና ንኽትበጽሕ ዘድልየካ ናብ ካልእ ዝበረኸ ደረጃ ብልጽግና ንኽትሓኩር እውን ከድልየካ እዩ። ምኽንያቱ ብልጽግና ክበሃል እንከሎ ኣብ ሓደ ደረጃ በጺሑ ደው ዝብል ዘይኮነ ብደረጃታት ዝተኸፋፈለ እዩ። ንሓደ ብልጽግና ዝዓብዮ ካልእ ብልጽግና ከም ዘሎ ምፍላጥ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com