Thursday , April 25 2024
In this image taken from video, former Minneapolis police Officer Derek Chauvin listens as Hennepin County Judge Peter Cahill sentences him to 22 1/2 years in prison, Friday, June 25, 2021, for the May 25, 2020, death of George Floyd at the Hennepin County Courthouse in Minneapolis. (Court TV, via AP, Pool) CER222

ቀታል ጆርጅ ፍሎይድ: ን 22 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ፖሊስ ዋይት ሃውስ ነበር: ደሪክ ሾቪን; ብቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ: ጆርጅ ፍሎይድ: ገበነኛ ኮይኑ ስለ እተረኽበ ን22 ዓመታትን መንፈቕን ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

“ሾቪን ደሪክ: ንዝተዋህበካ ሕድሪን ስልጣንን ብምጥሓስካን ጭካነ ዝመልኦ ተግባር ብምፍጻምካን እዚ ፍርዲ ተዋሂቡካ ኣሎ” ክብል እቲ ዳኛ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

48 ዝዕድሜኡ ፍሎይድ ብምኽንያት ኣብ ክሳዱ ብጉልበቱ እተጻዕኖ ሾቪን ምስትንፋስ ስኢኑ ህይወቱ ምሕላፋ ዝዝከር እዩ። ሞት ፍሎይድ ዓለምለኸ ተቓውሞ ኣንጻር ዓሌትነትን ጭካነ ፖሊስን ኣለዓዒሉ እዩ።

ቤተሰብ ፍሎይድን ደገፍቶምን ብውሳነ ዳኛ ከም እተሓጎሱ ገሊጾም ኣለዉ።

“እዚ ታሪኻዊ እዩ። ስድራቤት ፍሎይድን ሃገርናን ናብ ሕውየት ብሓደ ስጒምቲ ዘቕረበ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ተሓታትነት ገበን ከም ዘሎ ዘረጋገጸ እውን እዩ” ክብል ጠበቓ: በን ክራምፕ: ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ገሊጹ’ሎ።

ሓብቲ ፍሎይድ: ብሪጀት: ብወገና “ጭካነ ፖሊስ ፍርዲ ዝረኸበሉ ውሳነ እዩ፥ እዚ ፈጺሙ ክውገድ ብዙሕ ምስራሕ ከድልየና እዩ” ኢላ።

ፕረሲደንት ባይደን ዝርዝራት እቲ ጒዳይ ከም ዘይፈልጥ እኳ እንተገለጸ እቲ ውሳነ ግቡእ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com