Thursday , April 18 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ምትሕብባር ኣንጻር ሕሉፋት ክህሉ ጻውዒት ኣቅሪቡ!!

ሓድሽ ኣውሮጳዊ ባይቶ ሕሉፋት የማናውያን ንምውጋድ ከምቲ ኣብ ሽወደን እተራእየ ናይ ምትሕብባር መንፈስ የድልዮ’ሎ ክብል ሉቨን ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስተፈኣን ሎቨን ኣብ መንጐ ባይቶኣዊ ቀጽሪታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓደስቲ ዓይነታት ምትሕግጋዝ የድሊ ኣሎ ምባሉ ተገሊጹ። “ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት እውን ከምቲ ኣብ ሽወደን ዝገበርናዮ ምፍጻም የድልየና’ሎ።” ዝበለ ሉቨን ” ብኸምዚ መንገዲ ኢና ሃናጺ ናይ ምትሕግጋዝ፥ ውሕስነትን ድሕነትን ብምፍጣር ኣንጻር ሕሉፋት የማናውያን ዕዉት ቃልሲ ከነካይድ እንኽእል” ክብል ኣስሚርሉ። ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ምስረታኡ ጀሚረን ብዓብላልነት ክመርሓ ዝጸንሓ ክልተ ሰልፊታት ከም እተሳዕራ ይፍለጥ። ዓቃባውን ክርስትያን ዴሞክራስን ካብ ባይቶኣዊ ቀጽሪ ኣውሮጳ 180 መናብር ብምርካብ ምዕዋተን ንዕአን ስዒቦም ማሕበራውያን ሓይልታት 146 መናብር ብምርካብ ብኻልኣይ ደረጃ ምሓዞም ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com