Wednesday , April 24 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነበር Göran Persson ሓድሽ ኣቦመንበር ስዊድ ባንክ ክኸውን እዩ።

ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ባንካታት ሽወደን ዝኾነ ስዊድ ባንክ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነበር Göran Persson ሓድሽ ኣቦመንበር ስዊድ ባንክ ክኸውን ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲማ ኣደ መንበር ዝነበረት Bergiti Bonison ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምልቃቓ እዩ እዚ ሓድሽ ምርቋሕ ዝግበር ዘሎ።

“መሳጢ ዓወታት ዘለዎ ስፍሕ ዝበለ ኣህጒራዊ መርበባት ዝውንን ኣብ ፋይናንሳዊ ስርሒታት ከኣ ጽቡቕ ተመኲሮ ዘለዎ እዩ” ክብክ ሓደ ኣባል እታ ረቋሒት ሽማግለ ተዛሪቡ።

Göran Persson ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ካብ 1996 ክሳብ 2006 ንዓሰርተ ዓመት ዘገልገለ ኮይኑ እቐዲሙ ሚኒስተር ፋይናንስ ብምዃን ንሃገሩ ዝተፈላለዩ ናይ ቢዝነስ ዕድላት ዝጸዓረ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com