Thursday , March 28 2024
Foto: Jessica Gow/TT

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stephan Löfven ሓፈሻዊ መርሓ ፖሊሲ ሓድሽ መንግስቱ ኣቕሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stephan Löfven ሎሚ ንግሆ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መደረ መንግስቱ ዝምርሓሎም ፖሊሲታትን ዝትሸየሙ ሚኒስተራትን ዕላዊ ጌሩ።

እዚ ክሳብ 2022 ዝገዝእ ፖሊሲ ኣብ ብዙሕ መዳያት ሓድሽ ሕጊታት ከትኣታቱን ተኸታቲሎም ዝስዕቡ ለውጢታት ከምጽእን ብፍላይ ድማ ኣብ ሕቶ ዜግነት ምልከት ቋንቋ ሽወደን ከም ወሳኒ ረቛሒ ከእቱ እዩ ተባሂሉ ይግመት።

እዚ ናይ ቋንቋ ረቛሒ እማመ ናይዚ ሓድሽ መንግስቲ ኮይኑ ከም ሕጊ ክሳብ ዝእወጅ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ይግመት።

ብዘይካዚ ትሕተ-ቅርጻዊ ኣገልግሎት ንምልማዕ ዓመታዊ ናይ 5 ቢልዮን ክሮነር ወጻኢ ክግበር፥ ተወሰኽቲ 10ሽሕ ሰብመዚ ፖሊስ ክቚጸሩን ግዜያዊ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንዝቕጽል ክልተ ዓመት ክናዋሕን ዝብሉ ለውጢታት ክተኣታትው እዮም።

“ሽወደን ዓበይቲ ጽገናታት ትደሊ’ላ። እዚ ድማ ብሓባር ኰንና ሓድሽን ኪንዮ ዝጸንሐ ቀጽሪታት ዝኸይድን ሓይሊ ብምፍጣር ኢና ክንዋጽኣሉ እንኽእል” ኢሉ።

Löfven ነዚ ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም ዝግበር ምትሕብባር “ታሪኻዊ ፍጻመ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

ንሱ ንኣገዳስነት ቋንቋ ምስ ጒዳይ ኢሚግሬሽንን ሕቶ ዕቚባን ብምትእስሳር ” ቋንቋን ስራሕን መሰረታውያን ባእታታት ሕብረተሰብ እዮም፥ ኲነታት ምውህሃድ ከኣ ክመሓየሽ ኣለዎ” ኢሉ።

ኣብ ሕቶ ዜግነት መርመራ ቋንቋ ግድነታዊ ክኸውን ዓመት ዝኸውን ግዜ ልምምድ ክህሉ ኸኣ ክግበር እዩ ኢሉ።

እቶም ክሰርሑ ብቁዓት ዝኾኑ ክሰርሑ ፥ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርካብ ዘሎ ናይ መጸበዪ ግዜ ኸኣ ከጒድሎ እዩ ኢሉ’ሎ።

ሽወደን መሰል ሓተትቲ ዕቚባ ክትሕሉ ምዃናን ካሎኦት ሃገራት ኣብዚ ተመሳሳሊ ሓላፍነት ክወስዳን ጸዊዑ’ሎ።

ንከባብያዊ ሓለዋ ብዝምልከት ሽወደን ጸዓት ፎሲል ብምጥቃም ናይ ፈለማ ሃገር ከም እትኸውንን ካብ 2030 ንደሓር መሸጣ ነዳዲን ላምባን ኣብ ሽወደን ዘይክህሉ ምዃኑን ገሊጹ’ሎ።

ሽወደን ትምህርትን ማዕርነት ጾታን ኣብ ምምዕባልን ምቕጻልን ክሰርሕ እዩ ድሕሪ ምባል ኣንጻር ዓመጽን ጎነጽን ኣበርቲዑ ክቃለስን መቕጻዕቲ ከትርርን ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።

ኣብ ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ኣባል ኔቶ ከም ዘይትኸውንን ጒዳያት ወጻኢኣ ብመትከላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክቃነ ምዃኑን ሓቢሩ።

ብዘይካዚ ዘተ ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን ከም ዝቕጽለሉን ፍታሕ ምቛም ክልተ ሃገራት ዝብል መትከል ከም ዝደፍኣሉን ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com