Thursday , April 25 2024
Jessica Gow/TT

ቀዳማይ ሚኒስተር Stefan Löfven ነቲ ኣብ ኒውዚላንድ እተፈጸመ ቅትለት ኮኒንዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር Stefan Löfven ነቲ ኣብ ክራይስትቸርች ኒውዚላንድ እተፈጸመ ቅትለት ንጹሃን ኣስላም ኮኒንዎ።

ንሱ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ናይ ፈራሃት ተግባርነ ዘስካሕክሕ ጭካነን” ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

እንተኾነ ግና ፈጻሚ እዚ ቅትለት ኣብ ስቶክሆልም ብግብረሽበራውያን ናይ እተቐትለት ጓል 11 ዓመት ህጻን ሕነ ክፈዲ እዩ ውዒልዎ ንዝብል መግለጺ መልሲ ክህበሉ ኣይደልየን።

ብሓሙስ ወኪል ስለያን ጸጥታን ሽወደን Säpo ብዛዕባ ጸጥታ ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሕሉፋት የማናውያንን እስላማውያን ጥሩፋትን ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣት ምዃኖምን ምግላጹ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com