Thursday , March 28 2024
Foto: Henrik Holmberg/TT

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ፈለማ ርብዒ ዓመት ዕቤት ኣርእዩ!!

በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ሽወደን ቊጠባ ሽወደን ኣብ ፈለማ ርብዒ ዓመት 2019 ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዕቤት ምርኣዩ ገሊጹ። እዚ ዕቤት ከም ውጽኢት ዕቤት ሰደድ ዝተኸስተ ኮይኑ እዚ ድማ ምጒዳል ሃልኪ ሸመትቲን ወፍሪን ምስዓቡ ተገሊጹ’ሎ። ብመሰረት እዚ በዓልመዚ ጃምላዊ እቶት(GDP) ሽወደን ብ 0.6 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። እዚ ምስቲ ክኢላትት ዝነበሮም ትጽቢት ዕቤት(0.2% ) እንክረአ ኣዝዩ ዓብዪ ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። መመልከቲ ርግጸኝነት ሸመትቲ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ምውራዱን ዜጋጋት ብዛዕባ ቊጠባዊ ምንቅስቓስ ሃገሮም ተስፋ ኣብ ምልሕላሕ በጺሖም ምንባሮም ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት ሰሉስ መዓልቲ ዝወጸ ጸብጻባት ብሉምበርግ ቊጠባ ሽወደን ብሰንኪ ኣህጒራዊ ኲናት ንግድ ክህሰ ምጽናሑ ድሕሪ ምግላጽ ሰደድ በዚ ክዕንቀድ ምጽንሑ ሰፊሕ ሓተታ ኣቕሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com