Thursday , March 28 2024

ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣሻቓሊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ተሓቢሩ

ብዙሓት መንእሰያት፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ከምተሃስዩ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝርከቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ መንእሰያት፡ 24.4% ( 143 ሽሕ) ምብጽሑ፡ እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ መንጎ 4 መንእሰያት፡ ሓደ ስራሕ ኣልቦ ዝኾነ መንእሰይ ኣሎ፡ ማለት እዩ ክብል ሬድዮ ኢኮት ነቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቃልሖ ኣጋጣሚ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ተመኩሮ ስራሕ ናይ መብዛሕትኦም መንእሰያት፡ ኣብ ሆቴላትን ቤት ምግብታትን እዩ። ይኹን እምበር፡ እዘን ጽላታት ስራሕ እዚኣተን፡ እተን ቀንዲ ብቅልውላው ኮሮና ዝተሃስያ ምዃነን ዘይሳሓት ሓቂ እዩ።

ምስቲ ኣብ ወርሒ የካቲት ናይ ዓመተ 2020 ዝነበረ ብዝሒ ቁጽሪ ስራሕ ኣልቦ ዝነበሩ መንእሰያት ክነጻጸር እንከሎ፡ እቲ ቁጽሪ ብ14 ሽሕ ምዝያዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።  

መንእሰያት፡ ኣብ መጀመርያ ሂወቶም፡ ኣሊታዊ ኩነታት ከጋጥሞም እንከሎ፡ ኣብ ሂወቶም ናይ ነዊሕ ግዜ ስምብራት ክፈጥረሎም ይኽእል እዩ ክትብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግደሊና ኣንደርሾን፡ ንሬድዮ ኢኮት ስክፍታኣ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com