Thursday , April 25 2024
Erik Nylander/TT

ቁጽሪ ዝተዓመጹ ደቂ ተባዕትዮ ብናህሪ ይውስኽ።

ኣብ ሽወደን ቁጽሪ ጾታዊ ዓመጽ ናይ ዝበጽሖም ደቂተባዕትዮ ምውሳኹ ቆንስል ጸረ-ገበን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ፡፡

ብዙሓት ሰብኡት ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሓና ኣሎ ዝብል ጥርዓን ምቕራቦምን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ እቲ ቁጽሪ ብናህሪ ክውስኽ ምጽንሑን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ”ሎ፡፡

ኣብ 2007 ጥርዓን ጾታዊ ዓመጽ ዘእተዉ ሰብኡት 143 ከም ዝነበሩን ኣብ 2017 ናብ 559 ምዕባዩን ድማ ከም ኣብነት ቀሪቡ”ሎ፡፡

በመሰረት እዚ ጸበጻብ መብዛሕትኦም ካብዞም ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸሙ ደቂተባዕትዮ እዮም፡፡

ኣቕዲመን ጾታዊ ዓመጽ ዝወርደን ዝነበረ ደቀንስትዮ እኳ እንተነበራ ሕጂ ግና ደቂተባዐትዮ ብብዝሒ ብታዊ ዓመጽ ይጥቅዑ ምህላዎምን ግቡእ ሞራላዊን ስነልቦናዊን ክንክን ይወሃቦም ምህላዉን ከኣ ሰብመዚ ጥዕና ገሊጾም ኣለዉ፡፡     


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com