Thursday , April 25 2024
Esam Omran Al-Fetori/REUTERS.

ቅልውላው ሊብያ : ኣብ ጥቓ ትርቡሊ ኣብ ዝተገብረ ኲናት 21 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ከባቢ ከተማ ትርቡሊ ኣብ ዝተገብረ ኲናት 21 ሰባግ ሞይቶም 27 ድማ ከም ዝቘሰሉ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገድ መንግስቲ ሊብያ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ ሕቡራት ሃገራት ቊሱላት መታን ናብ ሕክምና ክውሰዱ ናይ ክልተ ሰዓታት ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ጸዊዑ ኔሩ።

እንተኾነ ግና ዝኾነይዂን ምንካይ ተዂሲ ኣይተራእየን። ብጀነራል ኸሊፋ ሓፍጣር ዝምራሕ ዕጡቕ ከተማ ትርቡሊ ንምቊጽጻር ካብ ምብራቕ እናገስገሱ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፋየዝ ስራጅ ነዚ ከም መፈንቅለ መንግስቲ ብምቚጻር ናይ ሓይሊ ግብረ መልሲ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

ካብቶም ግዳያት እዚ ኲናት ብሰንበት ዝሞተ ኣባል ቀይሕ መስቀል ዶክተር ይርከቦም።

ጀነራል ኸሊፋ ሓፍጣር ብወገኑ 14 ወትሃደራት መንግስቲ ምቕታሉ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣህጒራውያን ሓይልታት በቲ ኣብ ሊብያ ዝማዕበለ ሕማቕ ጸጥታዊ ኲነታት ኣመኽንዮም ወከልቶም ይስሕቡ ምህላዎም ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com