Saturday , April 20 2024

ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ዩክሬይን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ክብል ሓደ ክኢላ ገሊጹ። ሰብመዚ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ምኽታት ሩስያ ጽንክር ዝበለ መርገጺ ዝወሰዱሉ ምኽንያት በዚ እዩ ክብል እቲ ክኢላ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ኣባል ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ዝኾነ ያን ሃለንበርግ ነቱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ዘቕረበቶ ጠለብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሩስያ ነቲ ወተሃደራዊ ጥምረት ክትጽንበሮ ምንም ውጥን ዘይብላ ክንሳ እቲ ውድብ ናብ ምብራቕ ገጹ ዝገብሮ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ደው ከብል ኣለዎ ክብል ምሕታታ ዘቘጥዕ እዩ ኢሉ።

እዚ ቅልውላው ኣብ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ናይዚ ሰሙን ቀዳምነቱ ሓልዩ ምህላዉን ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኣን ሊንድ ዝለዓለ ኣጀንዳ ጌራ ከም ዘቐመጠቶን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com