Thursday , April 25 2024

ቅነ ፖለቲካ ዣርቫ፥ ኣብ ሰሚናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ይሳለጥ ኣሎ።

ብመራሕቲ ሰልፊ ፖለቲካ፡ ኲባንያታትን ውድባትን ኣኼባን መደረን ዝግበረሉ ቅነ ፖለቲካ ዣርቫ፥ ኣብ ሰሚናዊ ምዕራብ
ስቶክሆልም ይሳለጥ ኣሎ። ዝሓለፈ ረቡዕ መራሕቲ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ከምኡውን ሊበራል ዝኾኑ ማግዳሌና ኣንደርሾንን
ዮሃን ፐርሾንን ኣብዚ ቅነ ፈለምቲ መደረ ዘስምዑ ፖለቲከኛታት ኮይኖም ኣለዉ።
ኣንደርሾን ን ቊጠባዊ ኣካይዳ መንግስቲ ክትትነቅፍ እንከላ፥ ሚኒስተር ትምህርቲ ፐርሾን ከኣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሽቕለትን
ምውህሃድን መደረ ኣስሚዑ’ሎ። ኣብዚ ዓመታዊ ዝቃናዕ መኽፈቲ ፈስቲቫል ቅነ ፖለቲካ “ዣርቫቪከን” ምክልኻል ገበን፡

ከምኡ’ውን መንእሰያት ናብ ጒጅለታት ገበን ከይሰሓቡ ምግባር ከም ሓደ ኣርእስቲ ከም እተዘይተየሉ ተፈሊጡ። መስራቲት ውድብ
ማማ ዩናይትድ ዝኾነት ኣንያ ኖርደንፈልት “ደቀንስትዮ ኣገዳስቲ ኣብ ዝኾኑ ጒዳያት እምንቶ ክስምዐን ንምግባር ዘድሊ ድልድል
ኣብ ምህናጽ ኢና ንነጥፍ ዘሎና” ክትብል ገሊጻ። ማማ ዩናይትድ ብማሕበረ-ቚጠባ ኣብ ትሕት ዝበለ ደረጃ ኣብ ዝርከብ
ከባቢታት ምስ ኣዴታት ብቐረባ ዝሰርሕ ውድብ እዩ።
ኣብ 2020 ወዱ እተቐትሎ ሊባን ቫርስሜ መስራቲ ናይቲ “ምትኳስ ደው ይበል” ዝተባህለ ውድብ ኮይኑ፡ ናይ ጎነጽ ተርእዮታት
ክቕልበሱ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምንቶ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com