Friday , April 19 2024
Scene de rue à Montmartre (Street scene in Montmartre), a painting by Dutch master Vincent van Gogh is on display at Sotheby's auction house in Paris, Thursday, Feb. 25, 202. The artwork painted in 1887 is to be on public display for the first time ahead of an auction next month. It has remained in the same family collection for over 100 years, according to the auction house which did not reveal the identity of the owner. (AP Photo/Christophe Ena) ENA101

ቅድሚ ሕጂ ተራእያ ዘይትፍለጥ ቅብኣ ቫን ጎኽ ብጨረታ 11 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ

ብ ቫን ጎኽ እተሳእለት ጎደናታት ፓሪስ ዘርእስታ ቅብኣ ኣብ ሓደ ቤት ንሚእቲ ዓመት ተሓቢኣ ድሕሪ፡ምጽናሕ ብሓሙስ ኣብ ዝተገብረ ጨረታ 11 ሚልዮን ፓውንድ (ልዕሊ 13 ሚልዮን ዩሮ) ከም እተሸጠት ተገሊጹ።

ኣብ ፈረንሳ ዛጊት ካብ እተኻየዱ ጨረታ ቅብኣታት ሆላንድ እታ ብዝበዝሐ ዋጋ እተሸጠት ከም ዝገብራ ድማ ተፈሊጡ። እዛ ብ 1887 ከም እተቐብአት ዝንገረላ ስእሊ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ኣብ መንደቕ ሓንቲ ፈረንሳዊት ስድራቤት እያ ጸኒሓ።

ቫን ጎኽ ምስ ሓዉ ኣብ ፓሪስ ምብጻሕ ይፍጽሙሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ብዙሓት ጎደናታትን ህንጻታትን ፓሪስ ይቐብእ ምንባሩ ይፍለጥ።

“እቲ ዘሐጒስ ተሓቢኣ ዝነበረት ቅብኣ ቫን ጎኽ ምርካብና እዩ። ብሕታዊ እካብ ብምዃኑ ወነንቱን ብጾቶምን ጥራይ እዮም ክፈልጡ ዝኽእሉ ኔሮም” ክብል ክኢላ ቅብኣታት ቫን ጎኽ ማርቲን ቤይሊ ን ቢቢሲ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com